Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
-
Meleket
- Member
- Posts: 4572
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 12 Jun 2025, 09:19
ልሒቁ ስታሊን “ጽምዶ 5.1” ላይ በግልጽ ትግርኛ ከተናገራቸው መልእኽቱ ኣንዱ እንዲህ ይላል፡ “ኢትዮጵያውያን የመሃልና የደቡብ ህዝቦች 12 ወልደው 12 ልጆቻቸውን ዩኒቨርሲቲ ኣስገብተው ሲያስመርቁ፡ የመረብ አካባቢ ህዝቦች (የሃገረ ኤርትራና የኢትዮጵያዊቱ የክልል ትግራይ ልጆችን መሆኑ ነው) ግን የወለዱት ሁሉ ሁሌም ጦርነት ውስጥ እየገባ “እየተሰዋ” ኣባትም፡ ልጅም፡ የልጅ ልጅም፡ የልጅ ልጅ ልጅም በረባ ባልረባ ምክንያት ሁሉም ወደ ጦርነት እየገቡና “እየተሰው”፡ ህዝቦቻችን እየተመናመኑ ነውና፡ ቆም ብለን ለመጪዉ ህልውናችን ማሰብ ኣለብን።” የሚል ብርቅ ሃሳብም ኣጋርቷል።
ቀጥሎም “የኢትዮጵያ ፌደራል መንግስት ማለትም የኣብዪ መንግስት የሄግ ብይን መሬት ላይ ወርዶ ችካሎች ተቸክለው በሰላም እልባት ላይ እንዲውል ኣይሻም። በመሆኑም የመረብ ቀጠና ህዝቦች በፍቅርና በትብብር እንኑር፡ ቦምብ ተቀብሮብናል፡ ኣንርገጠው በጥበብ እናምክነው” ዬሚል ዓይነት ብርቱና ልብ የሚነካ መልእኽት ኣስተላልፏል።
እኛ ኤርትራዉያን የመሃልና የመስመር ዳኞችም በኤርትራዊ ጭዋነት ኩራትና ትህትና ጭምር “የሄግን ብይን፡ በቀጠናው ባሉ የታጠቁ ሃይሎችና መንግስታት መካከል፡ የቀጠናውን ህዝቦች በማስተባበር፡ 146 ፈርጦችን በትክክል በማመልከት (ከነዚህ ውስጥ በርካቶቹ ወንዝ ስለሚከተሉ ማመልከቱ የግድ ላይሆን ይችላል)፡ ለመጪው የፍቅርና የሰላም የትብብርና የምክክር የእድገትና የይቅርታ ዘመን፡ መሰረት እንጣል እያልን ነው። ሃሳባችንን የቀጠናው ሃይሎች ግምት ውስጥ በማስገባት፡ ለዓለማችንና ለቀጠናችን ህዝቦችና መንግስታት በሙሉ ልዩ ሰላማዊ ትምህርት ለመስጠት እንነሳ፡ ነገ ሳይሆን ዛሬ ብለናል!
እንደሚታወቀው እነ ስንዝሮ “ጽምዶ ጽምዶ” የሚለውን ቃል ኣሁን ሳያስተጋቡ፡ ያኔ ጥላቻን ያራግቡ በነበረበት ወቅት፡ እንዲህ እንዲህ ብለን የቀጠናችን ምሁራን እንዲተባበሩ ጥሪ አድርገን እንደነበረ ይታወቃል! viewtopic.php?f=2&t=287744 ይህ ጽሑፋችን ብሮፉርሸር ዘሜ፡ ዛሬ በስመ “ጽምዶ” ሊጣመደውና ሊቆራኘው እያሰበ ያለውን፡ “ደብረጽዮን” የተባለውን የሕወሓት ሰው “ድሮ ኤርትራችን ውስጥ ትምህርት በመቅሰሙ፡ በኋላም ለህዝቤ ህልውና ያዋጣኛል ብሎ ከኤርትራ ጋር ጦር በመማዘዙ ብቻ”፡ ‘ከዳተኛ’ በማለት ሲዘረጥጠው፡ በኤርትራዊ ጭዋነት ኩራትና ትህትና ጭምር እኛ ኤርትራዉያን የመሃልና የመስመር ዳኞች የሰጠነው “ትምቢተ-ጽምዶ” ያለበትን ሚዛናዊ ኤርትራዊ መልስ ነበር። ኮምኩሙ ታሪክም እማደል እዬጻፍን ያለነው!
ሕዪ’ዉን ደቂ ዓበይቲ “ክሳድ-ሓዙ”፡ ነዡኣን ሓቕታት ኣይትረስዑ!
" ትግባረ ፊዚካል ዲማርኬሽን ብቀዳምነት ዘይሰርዕ ጽምዶ፡ ከም ጽምዶ ስዑድያ በርዓኒ ኢዩ!" viewtopic.php?f=2&t=308857
“ሰላማዊ ትግባረ ፊዚካል ዲማርኬሽን” ኡንኮ ሰላማዊ ሕርያ ሰላማዊ ህዝቢ ኤርትራ!
“ሰላማዊ ትግባረ ፊዚካል ዲማርኬሽን” ኡንኮ ሰላማዊ ሕርያ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ!
“ሰላማዊ ትግባረ ፊዚካል ዲማርኬሽን” ኡንኮ ሰላማዊ ሕርያ ሰላማዊ ህዝቢ ኣምሓራ!
“ሰላማዊ ትግባረ ፊዚካል ዲማርኬሽን” ኡንኮ ሰላማዊ ሕርያ ሰላማዊ ህዝቢ ዓፋር!
“ሰላማዊ ትግባረ ፊዚካል ዲማርኬሽን” ኡንኮ ሰላማዊ ሕርያ ሰላማዊ ህዝቢ ወዘተ .. .. .. ህዝቢ ኢትዮጵያ!
-
Meleket
- Member
- Posts: 4572
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 18 Jun 2025, 11:07
ኣብ “ጽምዶ 6” ኣብ ከባቢ ሰዓት 1፡03፡56 በቲ ኣብ ዓዲ ኢሮብ ዝተገብረ ኩነት ዝተሓጐሰ ሓደ መንእሰይ ከምዡይ ቢሉ ርእይቶኡ ይጅምር “ብሓቂ እዚ ካልኣይ ውልደት ኢዩ። እዚ ከባቢ እዚ ብተደጋጋሚ ብዅናት ክህሰ ዝጸንሀ ከባቢ ምዃኑ ኩሉ ዚፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ሎሚ እቲ ዝሓለፈ ሓሊፉ፡ ጸሓፍ ዝተረፈ ኢዩ። ካብ ብሕጂ ክንከስር የብልናን። እቲ ናይ ጽልኢ ናይ ዅናት ደመናታት እቲ ዝሓለፈ ይኣኽለና። ካብ ብድሕሪ ሕጂ እቲ ናይ ጽልኣት መገዲ ምዕራፉ ይዕጾ። ሕዝቢ ምስ ሕዝቢ ይራኸብ። ደጊም ይኣኽለና። እቲ ዝሓለፈ መኸራ እቲ ዝኸሰርናዮ ይኣኽለና። ሎሚ ናይ ኣምላኽ ፈቓድ ዀይኑ ክልቲኡ ህዝብታት ክልቲኡ ናይ መንግስቲ ኣካላት ክትራኸቡ ክንራኸብ ከሎና ናይ በሓቂ ኣምላኽ እንቋዕ ነዚ ኣብቕዓኹም ኣብቕዓና ኢና ክንብል ንፈቱ።” ቢሉ ወረጃ ዘረባ ተዛሪቡ ነቢሩ።
ሕቶ ንኣጋፈርቲ እዡይ መደብ ንዓወል ስዒድ (ስንዝሮን) ንዶሪ ኣስገዶምን ኣሎና። እዚ ወዲ፡ ኣብቲ መደብኩም ተሳቲፎም ዚብሎም ዛሎ ናይ መንግስቲ ኣካላት ኣዬኖት ኢዮም? ኣየኖት መንግስቲ’ከ? እሞከ ደኣ መንግስትታት ዚፈልጥዎ ስፍራን መንግስትታት ዚፈልጥዎ ርክብን ካብኮነ፡ ነቱይ ዶብ እዞም ተራኺቦም ዚበሃሉ መንግስትታት ኣብ ባይታ ብሽኻል ይጠርርዎ ወይ ይሓንጽጽዎ እንደኣልና ንብል ዛሎና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን በቲ ልሙድ ኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን። ብይን ሄግ ስጋ ከይለበሰ ነባሪ ሰላም ሕልሚ ኢዩ። መክንያቱ ውዒሉ ሓዲሩ ብሰንኪ ዘይምትግባር ብይን ሄግ ምጉርፋጥ 'ኣይቀሪይ'። እንተ በዡይ ዝረኣናዮ ሰላማዊ መንፈስ፡ “ፊዚካል ዲማርኬሽን”ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ግን ኣኸለ ተዛዚሙ’ኡ ኪበሃል ይኸኣል ! ብምክንያት ዶብ ዚመጽእ ስክፍታ ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት ኪህሉ ኣይኽእልን ኢዩ።
እንተ “መገዲ ጽልኣት ምዕራፉ ይዕጾ” ከምዚበሎ፡ እናሓደረ ከም ወርቂ ዚኹላዕ መትከልና ኣቐዲምና ከምዡይ ገቢርና ገሊጭና ነቢርና ኣብዙይ ምንባብ ይኸኣል’ኡ። viewtopic.php?f=2&t=323430&sid=c99efead ... 8ce349dfac
እቶም “ከንፈርን መልሓስን፡ ከብድን ጎረሮን፡ ልብን ኣእምሮን፡ ዓይንን ብርኺን ኴይና ክንከይድ ኢና!” ቢሎም ወርቓዊ ባህጎም ዝገለጩ ኣቦ ልዑል ክብሪ ይግብኦም፡ ባህጎም ከይኩለፍ ድማ ትግባረ ፊዚካል ዲማርኬሽን (ጥረራ ወይ ምትኻል ሽኻላት) ኣብ ባይታ ንኪሰላሰል ንመንግስቶምን ንመኣል ዶሪ ኣስገዶምን ብምጉስጓስ እጃሞም ምግባር ከድልዮም ኢዩ! ንሕናዉን ንበኣል ኣወል ስዒድ (ስንዝሮ) ከምኡ ኢና ንገብር ዛሎና፡ ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን። 
-
Meleket
- Member
- Posts: 4572
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 24 Jun 2025, 05:24
ጽምዶ 7ን 8 ሰሚዕናዮ። ኣብ ህዝቢ ዛሎ ሃንቀዉታ ሰላም ኣስተቢህልናዮ። ብወገን ራማ ኮነ ዛላምበሳ ዚተገብረ መደብ ተዓዚብናዮ። ኩሉ ኪጠቓለል እንከሎ ብቃል 4 ዓበይቲ ዓዲን ካህናትን ዝቐረበ ሓሳባት ክነጠቓልሎ። ዓወል ስዒድ “ብይቕሬታ” ምጅማርካ ግርም ኢዩ። ኣብ መጽኢ’ዉን ንዝዀነ ይኹን ብኣርኣያ ስላሰ ዝተፈጥረ ሰብ ብኣተሓሳስባ ምስኻ ስለዘይተሳነየ ምጽራፍ ክተቋርጾ ንምዕደኻ ኣሎና። መክንያቱ ባዕልኻ ምስቲ ትጉስጉሰሉ ዛሎኻ ሰላማዊ ሓሳብ ዘይቃዶ ተግባር ጽባሕ ድህሪ ጽባሕ’ዉን ዳግማይ ስለዘጣዕሰኻ። ብዛዕባ ጽምዶ ናይ 2019 ጽሑፍ ካቶሎካዊያን ጳጳሳት ኤርትራ ዚጸሓፍዎ ጽሑፍ ድማ ክትነቦ ነዘኻኽረኻ https://www.vaticannews.va/ti/church/ne ... shops.html ሕጂ ናብ ቃላት ዓበይቲ ዓዲን ካህናትን
ቃል መንእሰይ ካቶሊካዊ ካህን ሰበካ ሰገነይቲ ኣባ ኣማኑኤል ጴጥሮስ
“ኣሕዋት ሓቢሮም ኪነብሩስ ኣዚዩ ሠናይን ጥዑምን ስለዝዀነ፡ እዚ ሰላም እዚ ናይ እግዚኣብሔር ህያብ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ፡ ናይ እግዚኣብሔር ንኩልና ዝተዋህበ ህያብ ስለዝዀነ፡ እዚ ሰላም እዚ ከኣ ናይ ነፍስወከፍ ክንህልዎን ክንከታተሎን ግዴታዊ ግቡእና ኢዩ። ስለዚ ኣብዚ ሰላም እዚ ተዓዲምና ኣይዀናን መጺና፡ ኩላትና ነዚሰላም እዚ ጽምኢ ሓረርታ ድሌት ስለዘሎና፡ ብሓቂ ኣብ ህሉፍ ከይነበረና ኣብ መጻኢ፡ ኣብቲ መጻኢ ከኣ ከምቲ ዚበሃል ዘሎ ብወኒን ብፍቅርን ብሰላምን ብራህዋን ክንነብር ናይ ነፍስወከፍ ምክሪ ለበዋ ዘይዀነስ ግዴታዊ ግቡእና ኢዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንዓና ንደቂ ሰባት ኪፈጥረና ከሎ፡ ብሓቂ በቲ ናቱ መልክዕ ምስሊ ኣርኣያ ቅድስና ነዛ ምድሪ ዓለም ከኣ ግዝእዋ ብዙሁ ተባዝሑ ነዛ ምድሪ እዚኣ ከኣ ብሓቂ ብሰላም ንበርዋ እናበለ ኢዩ ዚላበወና፤ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኪፈጥር ከሎ ዓሌት ሃይማኖት ኣፈላላይ ሃገር ኣይፈጠረን፡ ንኩላህና በቲ ናቱ መልክዕ በቲ ናቱ ምስሊ በቲ ናቱ ኣርኣያ በቲ ናቱ ጌሩ ብሓቂ ሕግን ትእዛዝን እናሓለና ንዑዑ እናፍቀርና ንብጻይና ኣናፍቀርና ክንነበር እዚ ጸዋእታ እዚ ናኩላና ከምዃኑ ስለዚ እዛ ሰላም እዚኣ ክትመጻና ዘይዀነስ ተዋሂባትና ኢያ። መድሃኔዓለም ክርስቶስ ሰላመይ እህበኩም ኣሎኹ ሰላመይ እሓድገልኩም ኣሎኹ እንተደኣ ኢሊና ንህና ሎሚ መሰኻክር ናይ ሰላም፡ ብሓቂ ሰማያዊ ቋንቋ ሰማያዊ ሰላም እንዛረብ ሰላም ኣወጅቲ መሰኻኽር ዀይና ንክንርከብ ውዒልና ዘይዀነስ፡ ኣብ በቤትና አኣብ ዝኸድናዮ ጥዑም ብስራትን ጥዑም ዜና ሒዝና ንኽንከይድ ብሓቂ ልቢ ነፍስወከፍ ተጎዲኡ ዘሎ ብቅሳነት ብተስፋ ኪመልእ፤ ነቲ ነፍስወከፍ ናቱ መስመር እዚ ነዚ ሰላም እዚ ብዓይኒ ሸለልትነት ዚርእዮ ድማ ብሓቂ ናይ ኣምላኽ ጸዋዕታን ናይ ኣምላኽ ድላይን ምኳኑ ክንፈልጥ ኣሎና፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ መጺኡ ኣይሰርህን ኢዩ ብደቂ ሰባት ኢዩ ዚዛረብ፡ እቲ ናይ ደቂ ሰባት ጸዋዕታ እቲ ናይ ደቂ ሰባት ዝተዋህበ ኣገልግሎት ድማ ሓቀኛ ምዃኑ ኣሚንና እግዚኣብሔር ነዚ ሰላም እዚ ብሓቂ ኣብ ጉዕዞና ኣብ ሕይወትና ነባሪ ሰላም የውርደልና ብሩኽ መዓልቲ ይግበረልና ንክልቲኡ ወገን ህዝቢ ከኣ ሰላምን ቅሳነትን የንግሰልና።”
ቃል ካቶሊካዊ ፍራንቸስካዊ ካህን ኣባ ተስፉ ኢዮብ
ጎረቤትካ ጐረቤትካ ኢዩ፡ ናበይ ከተብል ፈቲካ ጸሊእካ ንሕና ጐረባብቲ ኢና! . . ሰላም ህያብ እግዚኣብሔር ኢዩ! . . . ቀጻሊ ሰላም ኪከውን ናይ ነፍስወከፍ ኣቦታት ኣዴታት ለባማት ኣቦታት ዘለኹምና ቀጻሊ ኪከውን። ምጅማር ቀሊል ኢዩ፡ ምፍጻም ኢዩ እቲ ቀንዲ ኣድላዪ። ምሉእ ሓጐስ ይግበረልና እቲ ዝሓለፈ ሓሊፉ ኢዩ ውሕጅ ይውሰዶ ኢልና ብሓዲሽ መንፈስ ንበገስ። ኣቦታት ንስኩም ኢኩም መገዲ ሰላም ተጀሚሩ ኢዩ እቲ ዝሓለፈ ሓሊፉ ኢዩ፡ ነዚ ሰላም እዚ ዘፍርስ ወይልኡ ኪንብል። ሰላም እንተሎ ኩሉ ኣሎ፡ ቅሳነት ኣሎ፡ ምዕባለ ኣሎ፡ ኩሉ ኣሎ፡ ራሕዋ ኣሎ። ከምዚ ኢልካ ኣሕዋት ምዃንካ ኪረኣ ቀሊል ኣይዀነን ክንደይ ዓመታት ወሲዱ ስለዚ፡ ሎሚ ክንዲ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ኢና ኣብዚ ዘሎና፡ ኩሉ ምዘለለ ምተሓጐሰ። ጐረቤት ከለና ከምዚ ኢልካ ተፈላሊና ክንነብር ዘይግቡእ ኢዩሞ ስለዚ ሓደራ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ፍጹም ሰላም ባዕሉ ኣምላኽ ይተሓወሶ ንነፍስወከፍና ድማ ሕዅሽ ኢሉ ሰራሕቲን ኣበሰርቲን ሰላም ይግበረና።”
ቃል ኣቦና ኣፈወርቅ ኃይለ ኣምበሰተ ገለባ
” እዚ ጸጋ እዚ ረኪብናዮ ዘሎና ደንጕዩናኳ ብሓቂ። እዚ ረኺብናዮ ዘሎና ጸጋ፡ ሰፊርካዮ ዘይውዳእ መዚንካዮ ዘይውዳኣ ጸጋ ረኪብና ናይ በሓቂ። መጀመርያ ኩሉ ብእግዚኣብሔር ስለዚፍጸም፡ ነዞም መራሕትና ወይ ሓለፍትና ከምዚ ግበሩ ኢሉ ህሹኽ ምስበሎም፡ ነዚ ነገር እዙይ ክገብርዎ ዝከኣሉ እዞም መራሕትናን ሓለፍትናን ከመስግኖም እደሊ።.. .. .. ሕዝቢ ኤርትራን ሕዝቢ ትግራይን ብቀደሙ መኣስ’ዶ ደልይዎ ኢዩ? ብቐደሙ ኣይደለዮን። ደሊይዎዉን ኣይፈልጥን። ድሌት ሕዝቢ ብ21018 ተረእዩ እንዲዩ ብፍላይ ብኤርትራ ዝወረደ። ምስ ሕዝቢ ትግራይ ንክረኣ ክሳብ ሕጂ ይረኣሎ ሓሶት ኣይዀነን። እወ ግን ብቀደሙእቶም መራሕትና እቶም ሓለፍትና እምበር ካብ 69 ክሳብ 83 ግእዝ ካብ ከመይ ዲዮም ኔሮም። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ከመይ ዲና ኔርና። 6 ዓመት ድሕሪ ናጽነት ብሕዝቢ ዝነቐለ ኣይዀነን ብመራሕትና ኢዩ። ሕጂውን ድሌትና ስለዝኰነ ተዓኪብና ዓቢና ቆልዓና ሰበይትና ሰብኣይና መጺና ኣሎና።እንታይ ይመስለኩም ክትብሉና “ዚመስለና ደኣ ሰላም እንደኣሉ፡” ንመራሕትና ኢየ ዘመሓላልፍ ዘለኹ “ሰላም እንደሉ” ብሓንሳብ ምንባር እንደኣሉ ብሓንሳብ ምስታይ እንደኣሉ ብሓንሳብ ምብላዕ እንደኣሉ . . . ዝሓለፈ እዋን ዘጻልእ ኣይነበረናን።እወ መን ንመን ዲዩ ተባሊዑ፡ ንሕና ብንሕና እንዲና ተባሊዕና ሕጂውን ትጽቢትና ንሱ ኢዩ ሓረርታና ንሱ ኢዩ ንሕና ህዝቢ ከምስልኪ እንደኣልና ንለዋወ ብፍቶት ዲዩ ብዘይፍቶት። ግን ልቢ ይሃብኩም መራሕትና ከምዛ ሕጂ እንታይ ይመስለኩም ኣሎ ትብሉና፡ ምስልና ኣርኢናኹም ኣሎና። እዚ ሰላም እዚ ነባሪ ይግበሮ ነባሪ ይግበሮ ነባሪ ይግበሮ!”
ቃል ኣቦና መላኣኸ ሕይወት ቀሺ ተወልደብርሃን ገብረኪዳን ዝባን ሃም
ኣብ ኣምበሰት፡ ዋ ማህላ’ዶ ኣበይ ፈረሰት . . . እዛ ሰላም እዚኣ ክንክተላ ይግብኣና።እዚ ሰላም እዚ ከኣ ኣብ ትግራይን ኤርትራን ጥራሕ ዘይዀነ እቶም ጐስጎስቲ ኣካላት እንተደኣ መስርሕኩም ኪቕጽል ኰይኑ መላእ ሃገር ምስ ሃገር፡ ሕራይ ብጉርብትና ሰላም በጺህና ኣሎና እዚ ሰላም ኪቕጽል እንተደኣ ዀይኑ፡ እቲ ተሪፉና ዘሎ ናይ ዘይሰላም ዘሎ ጐንጺ ኪጠፍእ ብደረጃ ሃገር ክልቲኡ ሃገራት ተጠማሚሩ ብንግዲ ዲዩ ካልእ ረብሓ ተደጋጊፍና ኪነብር ናትና ርእይቶ ኢዩ።