
Nakfa Press
"ኤርትራ ኣብ ቀይሕ-ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓያል ጽልዋ ዘለዋ ደሴት ሰላም'ያ" ሩስያዊ ኣድሚራል
"ኤርትራ ኣብ መጻብቦ ባብኤል መንደብ ብዘለዋ ልዑል ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣኣ፡ ብውሽጣዊ ሰላማን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዘለዋ ዓብላሊ ጽልዋ ምስታ ሃገር ኣብ ሽርክነት ዝተሰረተ ኩሉንትናዊ ዝምድናታት ክገብሩ ከም ዝተደረኹ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ቫይስ ኣድሚራል ቭላድሚር ካሳቶኖቭ ኣድናቖቱ ገሊጹ።
ንሱ ምስ ማዕከናት ዜና ሃገሩ ታስ ካብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ "ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ደሴት ሰላም ክትከውን ዝኸኣለትን ኣብ ዞባ ቀይሕባሕሪ'ውን ክሊ ባሕራ ብብቕዓት ናይ ምሕላው ደረጃኣ ዘዕበየትን ቁልፊ ሃገር"ያ ክብል ድማ ገሊጹ።
ሩስያ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንሓይሊ ባሕሪ ከኣ ብኣውራኡ ብወታሃደራዊ ዕጥቅን ስልጠናን ዘመናውነት ኣብ ምልባሱን ኣብ ምምዕባሉን ኣበርቲዓ ከም እትሰርሕን ብምጥቃስ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ንኽልቲኣተን ሃገራት ዘገድሱ ሰፋሕቲ ፕሮጀክትታት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክህነጹ ምዃኖም ድማ ኣድሚራል ካሳቶኖቭ ኣተንቢሁ።
ናቅፋ ፕረስ
========================================================================================================================

Nakfa press
ዜና-ልምዓት

🟡 Mining

ኩባንያ ዕደና ኣስመራ ምህርቲ ምሕፋስ ጀሚሩ
ኩባንያ ዕደና ኣስመራ ምህርቱ ክሓፍስ ጀሚሩስ ድሮ እቲ ካብ ከርሲ ድባርዋን ከባቢኣን ዝወጽእ ወርቅን ካልእ ማዕድንን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ክቐርብ ጀሚሩ ምህላዉ ድማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረጋግጽ፡፡ እዚ ድማ ምስቲ ናይ ብሻን ዛራን ዕደናታት ተደሚሩ ኣብ ምብርባር ቁጠባ ሃገር ልዑል እጃም ክህልዎ ትጽቢት ይግበር።
2024 መንኮርኮር ዕቤትና እንቕይረላ፡ ኩሉንትናዊ ቁጠባዊ፡ ትሕተ ቅርጻውን ማሕበራውን ንጥፈትና ብዝለዓለ ናህሪ እነሰጉመላን ዓመት ምዃና እዚ ድሮ ብግብሪ ክሳለጥ ጀሚሩ ዘሎ ንጥፈታት መርኣያ እዩ።
=======================================================================================================================

🟡

ናቱ ኣብ ባስኩ ካንትሪ ምስ ስሙያት ቮለቺስታታት ተደራጊሙ ምስ ቀዳሞት 15 ወዲኡ
ኣቀድም ኣቢሉ ዝተዛዘመ ውድድር 3ይ መድረኽ ዙር ኢትዙሊይ ባስኩ ካንትሪ ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቀዳዳማይ ጋንታ ሊድል ትሬክ ናትናኤል ተስፋጼን መበል14 ደረጃ ሒዙ ምስ ቀዳሚት 15 ብሉጻት ተቀዳደምቲ ውድድሩ ዛዚሙ።
ብራቮ ናቱ
ናቕፋ ፕረስ