*ንሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ርእሱ ጅሆ ንኽሕዝዎ ንስኻኮ ጅግና ኢኻ, ከማኻ ሓያል ፍሉይ ፍጥረት ኣብዛ ዓለም የለን ይብልዎሞ ድላዮም ክእዝዝዎን ናቶም ተገዛኢ ንክኸዉን ይሕግዞም ።
ዳሓር ከምዚ ዝበለ ዝነቅሐ(ከም ብዓል ወዲ መምህር) ካብቲ ሕብረተሰብ ምስ ዝፍጠሩ ነቲ ሕብረተሰብ ከየንቅሖን ነብሱ ከይፈልጥን ስግኣት ስለ ዘለዎም ፤- እዞም ከምዚ ዝብሉኻኮ ክንዳኻ ዘይኣኽሉ ትሕቴኻ ከለዉ ብኽፍኣትን ቅንእን ኢዮም ከምዚ ዝብሉኻ : እምበር ንስኻ ኣርሓ ዓለምና ኢኻ ኩራዕ ክብልዎ ይድሃዩ ማለት’ዩ።
ደጊም ግን ሕብረተሰብ ብፍላይ መንእሰይ ዘኹርዖን ዘሐብኖን እንታይ ምዃኑ ብርግጽ ፈሊጡዩ ጉዕዞ ዉን ጀሚርዎዩ እቶም ሕጂ ዝኾርዑ ጽባሕ ዝሓፍሩ ኢዮም።
Please wait, video is loading...