By Dessale Berekhet Abraham
----- ----
ሎሚ ንግሆ፡ ፕረሲደንት ሶማልያ፡ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ "ፋርማጆ"፡ ንቐዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር፡ መሓመድ ሑሴን ዓብዲ "ሮብሌ"፡ ደስኪሉ ከም ዘሎን፡ ናብ ስራሕ ክወፍር ከም ዘይብሉን ሓቢርዎ።
ሮብሌ "አንጄት-ቈራጡ" ድማ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምእታው፡ ነቲ ኣብቲ ቤት ጽሕፈቱ ዝነበረ ናይ ፎርማጆ "ልብ-ቈራጡ" ኣሳእል፡ ብምድርባይ፡ "ፈርማጆ፡ ዝበሃል ፕረሲደንት ኣይፈልጥን'የ። ዝተመረጽካሉ ገደብ-ግዜ ኣብቂዑ'ዩ። ስለዚ ኪድ ሕጹይ-ፕረሲደንት ኰንካ ምጻእ!" ኢልዎ።
ክልቲኣቶም ድማ፡ ብድሕሪኦም ቀቢላታቶም ኣሰሊፎም፡ ዓዲ ኣብ ፍጹም ተፋጠጥ ኣላ። እቲ ብ"ቪላ ሶማልያ" ዝፍለጥ ቤተ መንግስቲ ግን፡ ግስላው-ሮብሌ ተቛጻጽርዎ'ሎ። ኣንበሳው ፎርማጆ - ዛጊት ብዓበይቲ ዓዲ ስልጣኑ ክለቅቕ ይልመን ኣሎ።
ኣነ ድማ፡ ናይ ቢንያም ኮብራ ካርቱን ዘኪረ።
"መንክር" ንባረይኡ፡ ብድምጺ ሓፋሽ ገይሩ የደስክለሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ'ዩ። ንሳቶም ከይፈለጡስ፡ ድምጺ ሓፋሽ፡ "ምኒስተር ምኒስትሪ ዜና ነበረ፡ በራኺ ገብረስላሴ፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ስራሕ ጠጠው ኣቢሉ'ሎ!" ብምባል፡ እቲ ምኒስተር ዜና "ኣለዂ" እናበለስ፡ እታ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ኣላ ትበሃል ራድዮ "ድምጺ ሓፋሽ" - "ነበር" ትብሎ ማለት'ዩ።
ኣብ ከምዚ ኲነታት ድማ'ዩ፡ ቢንያም ሰለሙን ደበሳይ "ኮብራ" ሓንቲ ካርቱን ዘዳለወ። ኣብታ ካርቱን፡ እታ ሰይቲ-ምኒስተር፡ "ተስእ እባ፡ ስራሕ ድኣ ኣይትወፍርን ዲኻ፧!" ትብሎ - ንሰብኣያ።
እቲ "ሞሽኳት" ሻዕብየኛ ምንስተር ድማ፡ "ሓንሳብ እባ ጽንሒ ድምጺ ሓፋሽ ሰሚዐ ክብገስ። ኣድስኪሎሙኒ ከይኰኑ!" ይብል።
ኣምላኽ፡ ልክዕ ከምታ ንሶማላውያን፡ ካብቲ ንቡር ናይ ሰብ መዓንጣ 10 ዕጽፊ ውሲዂ ዝሃቦም፡ ንኤርትራውያን ድማ፡ ካብቲ ንቡር ናይ ሰብ መዓንጣ 100 ዕጽፊ ነኪዩ እዩ ሂቡና።
እሂ፡ ሕጂ-ኸ፡ "ኣምላኽ ኣየዳልውን'ዩ!" ኢልኲም ዲዂም - ከተማሳምሱ፧!

Please wait, video is loading...