አረ ምንም ልተፈጥረ ችግር የልቦይ! ናይ ፀላኢ ናይ ስነልቦና ጦርነት እዩ።
-ተጋሩ፣ አረ ንደማመፅ! ህግደፍ ለጋውሕዎ ለለዉ ፕሮፓጋንዳ እዩ።
-ኣንፈት ምቕያር ኣብ ጦርነት ሕጊ ለሎ እዩ!
-ጦርነት እኮ ላይ ዓርሱ ሕጊ እንኤዎ!
- ፀረ ድሮን መሳርያ የለይ ድዩ ኾይኑ፣ ስለምንታይ ከ እዩ ብኣሽኳይ ለይዕደግ?
-አረ ምንም ብኽያትይ ኣውያትይ ኣየድልይ! ተጋሩ፣ እስቲ ንሓርን!
-አረ መስሓቕ ኤርትራውያን ኣይትግበሩናዋ!
- ኢለ ኔረ እኮ እየ፣ እንታይማ ላብ ሸዋ ለኽይድ እንኤና፣ ቅድም ላብ ኣስመራ ለይንኸድ ነበርና!
- ኢለ ኔረ እኮ እየ፣ ኦበሳንጆ፣ ላይ ዓርሱ ላይ ቦኮሓራም ጉዳይ እንተይፈተሐ፣ ክሽምግል እየ ምባሉ ለይጥዕም ነገር ከም ለሎ ጠርጢረ ኔረ እየ!
- እዘን ኣብ ስዐድዓረብ ለለኽን ተጋሩ እንታይ እዩ'ማ ጉድክን፣ ኣብ ቲክቶክ መፂኻ ብኽያት ንመን እዩ ክጠቅም? ኣብ ጦርነት ሞት እኮ ለሎን ልነበረን እኮ እዩ። አረ በይዛኻትክን ኣደብ ግበራ! መውቅዒና በትሪ ኣይተቐብላኦም።
- እዚ እንተኾይኑ፣ ሲጀመር ጦርነት ልምንታይ ኣድለየ!
- ተጋሩ፣ ልኣሜሪካና ኣውሮፓ ኣሚንካ ኣየዋጽኣናይ፣ ልዓርስና ካብ ምጥንኻር ወጻኢ ካሊእ መማረፂ የብልናይ።
- እዚ ኦባሳንጆ ልበሃል ከርናፍ ክሽምግል እየ ኢሉ ከይመፅእ ይተሓሰበሉ፣ እታ ድሮን ንሱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከደ ወድያው መፅያ እያ ትድብድብ ዘላ።
- እዚ ኩሉ እንትኾን፣ እቲ ስዬ ኣብርሃ ኸ ስቕ ድዩ ልብል? ቢያንስ ኣቕጣጫ ኣየመላኽትይ ዶ?
- ዓፋር ምስ ትምክሕተኛ ወጊኑ ምሕላፍ ክኽልክለና እዩ ኢለ ልደቒቕ እውን ሓሲበዮ ኣይፈልጥይ ኔረ።
- ፀላኢ ብወረኢሉ ቆሪጹ ናብ ኣምደወርቅ ይግስግስ ኣሎ፣ ትኹረት ይወሃቦ።
- ጋሸናይ ጭፍራይ እንተሒዞሞ ደኣ እዚ ብኣንፈት ወሎን ሸዋን ዘሎ TDF ብበይ ጌሩ እዩ ናብ ትግራይ ክኣቲይ? ኣንቱም ሰባት ተጨኒቕና'ኮ!
- ወልቃይት ሕሞራ እንተየምለስካ እንታይ ላብ ሽዋ ለኽይድ እንኤና? ልተኸፍለ ተኸፊሉ ላይ ወልቃይት ሕሞራ ድንበር ለይክፈት። አረ ሓመምና'ኮ?
ሓደ ኣብ ቻይና Masters ጌሩ ዝመጸ ናይ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ድማ:-
"ቻይናዊ Sun Tzu ልጸሓፎ The art of War ልብል ታዋቂ መጽሓፍ እኒኦ፣ ኣንፈት ምቕያር ከም ምጥቃዕ እዩ ልሓስቦ፣ ስለ'ዚ ምንም ችግር የብሉይ ምጭናቕ ኣየድልይ"
- ለትሸይ ኣይትብከዪ፣ ክድውል እየ።

