The land of joy & happiness.
The proof of the pudding....

Sharron Yemane: @Sharronyemane
Re: The land of joy & happiness.
At the outskirts of Badme!
ርሑስ በዓል ሆሳእና: ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ::
ኣገዳሲ ሓበሬታ: ኣብያተ-ክርስትያንን መሳጊድን፡ ካብ ካብ ጽባሕ ሰንበት 25 ሚያዝያ ዕለት ጀሚረን፡ እቲ ዘድሊ ጥንቃቐታት ማለት ግቡእ ምጥቃም ማስክን ማሕበራዊ ምርሕሓቕ እናተኸተላ፡ ንቡር ንጥፈታተን ዳግም ክጅምራ’የን። (Via @moi_eritrea)
Re: The land of joy & happiness.
ቡሩኽ ቀዳመ ስንበት ንኹላትና! ማንጉስ: ዓዲ-ጽንዓይ::
(Taezazabraha: @taezazabraha)
Re: The land of joy & happiness.
Constantly demonized, yet unbowed!
Re: The land of joy & happiness.
India@75 Lecture Series-3: Dr Atul Kaushik & team of prestigious Orotta College of Medicine & Health Sciences made an interesting & informative presentation on Epilepsy today at Embassy. Ambassador Subhash Chand spoke. Dr Yemane Seyoum, Dean, OCMHS was present.
(India in Eritrea: @IndiaEritrea)
Last edited by Zmeselo on 25 Apr 2021, 14:42, edited 1 time in total.
Re: The land of joy & happiness.
Today in Rome- Italy- outside the RAI studios. United we stand, divided we fall!
(Mehal Meda: @MedaMehal)
Last edited by Zmeselo on 25 Apr 2021, 21:22, edited 1 time in total.
Re: The land of joy & happiness.
_________________

ስሕበትን መዘዝን ከባቢና
By: Haileab Tesfay
https://shidamedia.com/the-effect-of-la ... -the-area/
March 14, 2021

ንሕና እዞም ህዝብታት ኣብ’ዚ ከባቢ እንርከብ ብሓፈሽኡ ኣፍሪቃውያን ካብኡ ንናብኡ ድማ ማእከላይ ምብራቅን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ዘይ ከም ካልኦት ክፋል ዓለምና ብኣህጉር ደረጃ ኩሉ መደያዊ ጠመተን ተገዳስነት ኣብ ዘለዎ ቦታ ኢና ዘሎና።
እዚ ማለትና ቀይሕ ባሕሪ ከም ቀንዲ መተሓላለፊ ንግዳዊ ንጥፈት ዓለምናን ወተሃደራዊ ተገዳስነት ዝራአየሉ ዞባን፣ ኣብ ከርሲ ናይዚ ከባቢ ምድሪ’ዚ ክብ ዝበለ ሃብቲ ከም ነዳዲ ወርቂ ዓይነታት ሓጺን ካልኦት ክቡራት ማዕድናትን ዝርከብዎ፣ ፈለግ ናይልን ኣዝዩ ሰፊሕን ርቡሕን ስቡሕን ናይ ሕርሻ ቦታታትን፣ ጥንታዊ ታሪኽን ቅርስን ወዲ ሰብን ኮታ ዘነይት ትሕዝቶ ዘለዎ ዞባ እዩ።
እዚ ማለት ከባቢና ሰሓብን ተሃራፍን ባህርያዊ ተፈጥሮ (ጸጋ) ስለ ዘለዎ፡ ሓያላትን ምዕቡላትን ሃገራት ጽልወአንን ረብሐአንን ንምርግጋጽ ናይ መቃለሲ ባይታን ሰፈርን ገይረንኦ ኣለዋ።
እስከ ንርኣዮ ህልውን ሕሉፍ ተመክሮታት እዚ ከባቢና. . .
– ንመግዛእታዊ ዶባት ኣፍሪቃ ምህንዳስ ዝተገብረ ስምምዕ በርሊን 26/02/1885
– ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ብ1945 ዝተገብረ ምስጢራዊ ውዕልን
ብተወሳኺ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣሜሪካ ምስ ሱዑዲ ዓረብ ዝኣተወቶ ስምምዕ
– መዕለቢ ዘይተገብሮ ጉዳይ ፍሊስጤም
– ሓንካስ ስምምዕ ካንፕዴቪድ
– ምቅንጻል ኣንዋር ሳዳትን ኢሳቅ ራቢንን ዘይተነጸረ ኣማውታ ያሲር ዓራፋትን
– ናይ ዶቡብ ሱዳን ጉዳይ ግድን ካብ ሱዳን ከም እትፍለ ምግባር
– ጠንቂ ቁጠባውን ሃይማኖታውን መዘዝ ውግእ የመን
– ሕንፍሽፍሽን ምምቕቓልን ሶማል ሳዕቤናቱን
– መግዛእቲ ቅብብል ዱላ ሓያላት ሃገራትን ሉኡኻቶምን ኣብ ኤርትራ
– ወራራት መሳፍንትን ዘኸተሎ ማሕበራዊ ምዝንባላትን
– ዳግም ወራር ልኡላውነት ኤርትራ ጉንበት 1998
– ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ሃገራት ተፋሰስ ናይልን ኣሳሰይቱን
– ብሄራዊ ፖለቲክ ዘስዓቦ ሓደጋ ሃገርን ሃገራውነት
– ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ባብ ኤልሜንደብን ካናል ስዌዝን
ብሰንኪ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፍጻሜታት ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ነንሕድሕዱ ብሰላም ተዛንዩ ኣብ ዕቤት ቁጠብኡ ከይሓስብ ክጓነን ክሳቀን ጸኒሑን ኣሎን።
ኤርትራ ሃገርና ሽሕ እኳ ኣካል ናይዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለዉ ተረኽቦታት ግዳይ ትኹን እንበር: ኣብ ኣፈታትሕኡን ኣተሓሕዝኡን ካብ ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት ዝተፈለየ ነይሩ።
ደንደስ ባሕርና መዕረፊን መሰጋገርን ነጋዶ ዓለም ምንባሩ: ምቕባል ክልቲኡ ሃይማኖታት (ክርስትናን እስልምናን) ብሰላም: እቲ መግዛእታዊ ሓይልታት ዘይደፈሮ ሕጊ እንዳባን ማእከል መስሕብ ኤርትራውነት ዝወለደ ሰውራ ኤርትራን ዓወቱን፤
ተደማሚሮም ናይዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ውጽኢት ስለ ዝኾኑ: ነዚ ኣብ ላዕሊ ኣቀዲምና ዝጠቐስናዮ ህሉው ኩነታት ክትጻወሮን ክትሰግሮ ኪኢላ ኣላ።