መጀር ጀነራል ኢትዮጵያ፡
ከይመሰየ ዝነቆወ ኣዛዚ።
Alazar Abraham
11 Jan 2021
መጀር ጀነራል በላይ ስዩም፡ ናይ’ቲ ብ“ሰሜን እዝ” ዝጽዋዕ ጠቕላሊ ኣዛዚ ኢዩ። ብተዳጋጋሚ ከምዝብሃል፡ ሰሜን እዝ፡ ብዓቕሙን ዓቐኑን ካብ ኩሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ እዝታት ጸብለል ዝበለ ኢዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ ጭፍራ ወያነ፡ ነዚ ወትሃደራዊ መደብር፡ ንብረቱ ወሪሰ ሰቡ እንተኣምኪነ፡ ቀጥታ ኣራት ኪሎ ተመሊሰ፡ ዳግማይ ስልጣነይ ጨቢጠ ን”ሻዕብያ” ከራኻኽበላ ዝእግም ኣይኮነን ዝብል ፋልሶ ወትሃደራዊ ስትራተጂ ዝሓንጸጸት።

ከምቲ ዝሓለመቶ፡ ኣሊማቶ። ንትግባረኡ ድማ፡ ኩሉ ናይ ስለያ ስራሓት ኣጽፊፋ፡ ነቕጣታት ሸፋቱ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘሪኣን ኣዕጢቓን። ኣብ መቐለ፡ ኣማሓደርቲ ናይ “መጻኢት ኤርትራ”፡ ሓምሻይ መስርዐኛታት፡ ወዲባ ከም ትሕጃ ኣሰሊፋ። እንተ ንሰሜን እዚ ግን፡ ትኹላውን ጎድናውን ናይ’ቲ ትካል በሲዓ፡ ኣሎ ዝብሃል ወትሃደራውን ስለያውን መርበብ ሰክዒታ ዘርገሐት። ክውረሰ ዝግብኦ ኣጽዋርን ተተኮስትን፡ ክቕንጸሉን ክማረኹን ዝግብኦ ሰባት መምያ፡ መጽናዕታ ኣብ ወረቐት ኣስፊራ ተበገሰት። ምዓልቲ ደሞዝ፡ መስተን ሽሻይን ከስኪሳ፡ “እንብላ፡ ንጠጣ” ብምባል ንሓለፍቶምን ኣጋሮምን ኣደንዘዘቶም።
ዘገርም’ዩ። እዚ ኩሉ ክእለምን ክጻወድን፡ መጀር ጀነራል በላይ ስዩም ኣበይ ኔሩ? ብናይ ተራ ኣታሓሳስባ እንተኾይኑ’ኮ፡ እዚ ኣዛዚ’ዚ እንተ ብሸለልትነት እንተ ብወዲት ነታ መደበር ኣጥፊኡዋ ኢዩ። ኮለኔል መንግስቱ እንተዝኸውን፡ ድሮ ተረሺኖ ምሃለወ። ምስጢሩ ብዘይፍለጥ ግን፡ ጌና ኣዛዚ ኮይኑስ፡ ስልጣኑ ዘየፍቅዶ ዝሰርሕ ዘሎ ኣይመስልን።
እዋናውያን ኣማሓደርቲ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝተራኸቡሉ፡ ኣብ ሞንጎ’ቲ ብዙሕ ናይ ህዝቢ መረረን ሕቶታትን ክምልሽ ከሎ፡ “…ናይ ባዕዲ ሰራዊት ልዑላውነት ሃገረይ ጥሒሱ ብዘይ ኣፍልጦይ ኣትዩ። ኣነ ዝፈልጦ ኣይኮነን፡ መን ከምዘፍቀደሉ ክፍለጥ ኣለዎ..” ክብል፡ ምስ ናይ ሓለቕኡ (ቀ.ም. ኣብዪ) ኣዝዩ ዝጋራጮን ኣመና ተኣፋፍን መግለጺ ሂቡ።
ክብሪ ዘይግብኦ፡ ካሕዳይ ወትሃደራዊ መኮንን ኢዩ’ዚ። ነቲ ጅግናን ብዓል ውዕሎን ሰራዊት ኤርትራ፡ ብስሙ ምጽውዑ ያኢ ዓብይዎስ፡ ኣብ ክንዲ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ” ኢሉ ዝጠቕስ፡ “ናይ ባዕዲ” ኢሉ ብቅኒት ቂምን ቅርሕንትን ጽልእን ሕርቃንን ደርጒሑዎ። እቲ መጀር ጀነራል በላይ ዝመርሖ ወትሃደር ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ድኹምን ግዕዙይን ኣመራርሕኡ ኣደዳ ጭፍራ ወያነ ምግባሩ ከይኣክል፡ ኤርትራ ነቶም ብወያነ ዝተገፍዑ ኣባላቱ ተቐቢላ ስለ “ዘልበሰት፡ ዝዓንገለት፡ ዘዕጠቐት”፡ ተመሊሱ ብዛዕባ’ቲ ብሰንኩ ዝተደፍረ ልዑላውነት ሃገር ከምዘሕመሞን ከምዘቆንዞወን ክዛረብ፡ ዘሕንኽ’ዩ። ብኣጋላልጻ ሓለቕኡ፡ ዶር ኣብዩ፡ እቲ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተገብረሉ ደገፍ እንተዘይነብር፡ እቲ ዝተከስተ ፍጻሜታት ብከመይ ምተደምደመ? ጀነራል በላይ እንታይ መልሲ ኮን ምሃበሉ?
እቲ ብሱዳን ዝረአ ዘሎ ወስታታት፡ ብጀነራል በላይ ዝእለ ሰሜን እዝ ክኽእሎ ድዩ? ምዕራባዊ ውዲት፡ ማይካ ከይትሰቲ፡ ናይ ፈልግካ ተጠቃሚ ንከይትኸውን ዝእለመልካ ውዲትን ሸርሕን ናይ ምንባብ ብቕዓት ትውንን ዲኻ ጀነራል በላይ? እስራኤል፡ ንኣመርካ፡ ግብጺ፡ ሱዳን ኣኽቲታ ከተናዓዕበካ፡ ቅሳነት ለቢስካ ነቲ “ዞባዊ ስትራጂካዊ ልምዓት” ዝብል ውዑል ንከይሰርሕ ዝዝርጋሕ ዘሎ ናይ ቶንኮል መርበብ ተስተብህለሉ’ዶ ክቡር ጀነራል? እንተዘይተሰቚሩካ፡ ሓዘኒ፡-
1. ዓለምለኻዊ ጽዮናዊ ሓይሊ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ትራምፕ ከምዝምረጽ ጌሩ። ተዓዊቱ።
2. ትራምፕ ኣማስይኡ፡ “ኢየሩሳሌም ርእሰከተማ ናይ እስራኤል ኢያ”፡ ኢሉ ብምፍላጥ፡ ናብ ዓለም ኣዊጁ። ሓደ በል።
3. ጥራምፕ፡ እስራኤል ዝወረረቶ ኣኽራናት ጎላን፡ ዓለም ዝፈልጦ ናይ ሶርያ ክንሱ፡ ናይ እስራኤል ኢዩ ብምባል ተፈላጥነት ከተውሓስ፡ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ፡ ፖምፐዮ፡ ኣብቲ ኣኽራናት ከይዶ ኣዊጅዎ።
4. ትራምፕ፡ ብኣዝዩ ዘይእርኑብ ቅጥዒ፡ “ምስሪ፡ ንሓጽቢ ኣባይ ናይ ኢትዮጵያ ከተፍርሶ ትኽእል ኢያ”፡ ኢሉ ዓለም ኣናዊጹ። (እዚ ንግብጺ ዝዘረየ ከይመስለካ ክቡር ጀነራል፡ እቲ ጉንዓ ንእስራኤል ኢዩ።)
5. ትራምፕ፡ ንመንግስቲ ሱዳን፡ “ካብ ደምበ ደገፍቲ ኣሸበርቲ ክትወጺ እንተደሊኺ፡ ዕዳ ናይቶም ኣሸበርቲ ዝቐዝፍዎም ስድራቤታት ክሓሲ፡ ኣውራ ግን ምስ እስራኤል ዘለኪ ድፕሎማስያዊ ርክብ ኣብ ንቡር ስርዕዮ” ብምባል፡ ኢዳ ጠውዩ ኣብ መጻወድያ ሞሳድ ኣእትዩዋ።
6. ብድሕሪ’ዚ፡ ሱዳን እንታይ ገበረት? ዝተኣዘዘቶ ክትፍጽም፡ ኣንፊ ወትሃደራታ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝጥምቱን ከምዝሳግሙን ጌራ።
7. ንስለ ሓቒ ግን፡ ሱዳን ሓደ መንግስቲ ክትሃንጽ ኣብዘይክኣለትሉ፡ (ወትሃድራውን ሲቪላውን ክንፊ ዘለዎ ክልተ ኣዑኑድ’ዩ ዘሎ)፡ ናይ ህዝቢ ናዕቢ ከትህድእ ኣብዘይበቕዐትሉ፡ ናይ UN ወትሃደራት ሓለውቲ ዳርፉር ክኾኑ ኣብ ዘስፈረትሉስ፡ ምስ ኢትዮጵያ ውግእ ከትገጥምስ፡ በየናይ መምዘኒ ቅቡል ይኸውን? ብሓቂ ድያ ብዓቕማ ተኣማሚና ተበጊሳ?
8. ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ 2018 ሓደ ካብቲ ስምምዐን ናይ ጸጥታ’ዶ ኣይነበረን?
ኣቦታትና ክምስሉ፡ “ዋልታ ኣይትርአ፡ ድሕሪ ዋልታ ዘሎ ረአ” ይብሉ። ብዓል ጀነራል በላይ ነቲ ብድሕሪ ዋልታ ዘሎ ሱዳናዊ ወስታ ክርእዩ ምስዘይብቕዑ፡ ንዓና’ውን ብኣሉታ ክጸልዉና ኢዮም። ስምምዕ “ዞባዊ ቁጠባዊ ልምዓት”፡ ብኤርትራን ኢትዮጵያን’ዩ መበገሲኡ። ኣብዚ ተበግሶ’ዚ ዝሰግኡ ብመጀመርያ እስራኤልን ግብጽን ኢዮም። እስራኤል፡ ብፈልግ ኒል ትጠልል ዘላ ሃገር ኢያ። ካብ ግብጺ ኢያ ትመጽዮ። እዚ ሉሉ ዞባውን ዓለማውን ውዲት ኣንጻር ሃገራት ኢጋድ መበገሲኡ ንሱ’ዩ።
ጀነራል፡ በላይ፡ ካልእ ሕቶ ከስዕበልካ፡ “ሓሙሽተ ነጥቢታት” ውዑላት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ዝተፈራረምወን፡ ሓንቲ ካብአን፡ ወትሃደራውን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ’ያ ትብል፡ ትዝክሮ’ዶ? ቀዳማይ ምንስቴር ንዑዳት ኣብ ኤርትራ ምስ መጸ፡ ክቡር ፕረስደንት ኢሳያስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም፡ “ዶር. ኣብይ፡ ብሉጽ ሕርያ ኢኻ ጌርካ። ጸገማት ክህልዉ ኢዮም፡ ኣጆኻ፡ ብሓባር ክንሰግሮ ኢና”፡ ዝብል መብጽዓ’ኸ ትዝክሮ’ዶ? ብትርጉም ፖለቲካን ዲፕልማስን ድሓን ይጽንሓልካ፡ ብወትሃደራዊ ቋንቋ እንታይ ማለት’ዩ? ወያነ፡ ነቲ ይግባይ ዘይብሃል ፍርዲ ጉዳይ ዶባት ኤርትራን ባድመን፡ እምቢ ኢሉ፡ ንመምርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምቅዋም፡ ኣውራ ግን፡ ንሰራዊትካ ካብ ሰሜን ተሳሒቡ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ክምለስ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ወያነ፡ ነመስኪን ህዝቢ ኣናዒቦም፡ ኣብ መገዲ ከምዝድቅስ ጌሮም፡ ወትሃደራትካ ንድሕሪት ተመሊሶም። ንጠቕላላ ኣዛዚ ሰሜን እዝ ዝለዓለ ብዓል ስልጣን፡ ካብ መዕረፍ ነፈርቲ መቐለ፡ በታ ዝመጻላ ነፋሪት ናብ ዝመጻሉ ሰጒጎሞ። እዚ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳርካ ኢዩ። ሎሚ፡ ማይ ምስ ዛረየ ጽሓይ ምስ በረቐ፡ በቲ ዘርኣኻዮ ዒብ ኣልቦ ኣዘራርባ፡ “..ናይ ባዕዲ ሰራዊት ልዑላውነት ሃገራይ ንክጥሕስ ዘፍቀደ መን ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ…” ምባልካ እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣዝዩ ሓደገኛን ዞባውን መናውራት ዕሽሽ ምባልካ ድዩ ስኣን ኣፍልጦኻ? ናይ ብሓቒ ብሰሜን ዶብካ ዘሎ ብምጥሓሱ ዲኻ ጒሂኻ ወይ ገለ ምስ’ቲ ዝሃደም ጁንታ ትጻላሎ ኢኻ። እቲ ፍርዲ ንሞያውያን ዝውሃብ ዕድል ይኹን እምበር፡ ብዓይኒ ተራ ዜጋታት፡ ነቲ ተዋሂቡካ ዘሎ ኣዝዩ ኣሰካፊ ስልጣን፡ ብቑዕ ኣይኮንካን። ብናትካ ዓቕሚ፡ መራሒኻ፡ ናይ ባዕዲ ሓይሊ የሎን ከምዝበለ እናፈልጥካ፡ ብፍላጥ፡ ንተቐባልነቱ ከተህስስ ዝወሰድካዩ ተበግሶ ኢዩ። ንሱ ክሃንጽ ንስኻ ከተፍርስ? እዛ ዝገበርካያ፡ ኣብ ቃልዕ፡ ንጹር መልሲ ክንጽበየላ ኢና። ንዘልበሰካ፡ ዘብላዕካ፡ ዘዕቆበካ፡ ዘዕጠቀካ ኣካል ብኣሽሙርን ብትዕቢትን ናይ ጫለዳ መግለጺ ክትህበሉ፡ ኣይነፍቅድን ኢና። ክሳብ ምኣስ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ ኣኣዳዉ ክንከስ? ናብ ሰላም ስለነቛምት ኢዩ እምበር፡ ስርዓታት ኢትዮጵያ ክንደይ ግዜ ድዮም ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዑላትን ኣፍሪሶም ክብርን ልዑላውነትን ኤርትራ ኣፍሪሶምን ደፊሮምን፡፡ ክንደይ ህዝቢ ድዩ ጸኒቱ! ክንደይ ንብረት ድዩ ተዘሚቱ! ክንደይ ትካላት ድዩ ዓንዩ! ንስኻ ሓንቲ ሕቶ ኢያ ዘላትካ። ህዝቢ ኤርትራን ሽሕን ሚእትን ሕቶትትን ናይ ይቕረታ ጠለባትን’ዩ ዘለዎ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ናይ’ቲ ወትሃደራዊ ትካላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውን ንዋታውን ዝተፈጸመ ዕንወት ካሕሳ ክንሓትት ሕጋዊ መሰልና ምዃኑ፡ ንስኻን ከመኻን ዝሓስብዎ ኣይመስሉን። ሕቶኻ፡ ሓለቓኻ ክምልሸልካ ኢዩ። ኣብ ቦታኻ እንተጸኒሕካ፡ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ክትምልሽ ተዳሎ።
https://www.facebook.com/alazar.abraham ... 2198782137
·

