ኣብ ትግራይ ናይ ሕሱራት ሕሱራት ሰባት እንተ ኣለዉ ኣብ ኤርትራና ኸ ?
Posted: 18 Dec 2021, 14:50
ኣብ ትግራይ ናይ ሕሱራት ሕሱራት ሰባት እንተ ኣለዉ ኣብ ኤርትራና ኸ ?
ብቕድሚ ትማሊ ሓደ ሓውና ብዛዕባ ሑሱራት ኣህዛብ ኣርእስቲ ኣልዒሉ ሓንቲ ኣገዳሲት ጽሑፍ ኣብ መረጃ ኣስፊሩ ኔሩ ። ነቲ ኣርእስቲ ሒዝና ብዛዕባ ኤርትራ እንተ ተዛሪብና ኣብ ሃገርና ኣገደስቲ ዝበሃሉ ዝነበሩ ሰባት ኣብ 'ቲ ጽንኩር ኩነት ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከም ዝኸድዑ ንክንዝክር ንግደድ ። ሓደ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ናትና ዝነበረ ምስ ሓደ ፓስታ ተሻሪኹ ኣብ ደልሃመት ከእትወና ሓሲቡ ኔሩ ። ካልእ ናይ ጸጥታን ናይ ስትራተጂን ፈላጥ ዝበሃል ዝነበረ ዳን ኮኔል ኣብ ሓደ ኩርናዕ ወሲዱ ኣዛርብ እንተ ኣበሎ ናይ ኩሉ ነገራት ዘርባዕ-ባዕ ኢሉ ። ኣብ ሓደ 'ዋን ናይ ኤርትራ ዓቢ ጀነራል ዝነበረ ድማ ምስ ጸላእቲ ተሓባቢሩ ንኤርትራ እንተ ዘየፍረስኩ እንዳ በለ ሕኒን ኢሉ። ናይ በዓል መንኣርዮስ ቪያግራ ከኣሞ ግደፍዎ ። ካልኦት ናይ ጀብሃ ዝነበሩ ከኣ ኣለዉኻ ። ዋላ ኣብ እርጋኖም ንኤርትራ ከየብረስናን ፋሕ-ፋሕ ከየእተናላን ናብ መቓብርና ኣይንኸይድ ኢና ዝብሉ ። ሕጂ ነዚኣታቶም ኩሎም ምሁራት ኢና ዝብሉ ገለ ኣውራጃውያን ገለ ካልእ ሕማም ዘለዎም ልክዕ ከም 'ቶም ኣብ ኣስመራ ዘለዉ ብኣስላም ተጋሩ ዝጠዋወዩ ተወሲኾሞም ኣለዉ ። ዝሓለፈ ስሙን መርበብ ሓበሬታ እንዳ ገናጸልኩ እንከለኹ ሓደ ኣይሁዳዊ ተማራማራይን ጸሓፍን ናይ ሓንቲ ዓባይ የማናዊት ትካል ናይ ኣሜሪካ እንታ ይብል ይመስለኩም ? መልሲ ፥ ኣብ'ዚ ዓዲ ምሁራት ኤርትራውያን ኣለዉ ንኤርትራ ብከመይ ጌርካ ከም ትሃስያ ሓበሬታ ዘቕርቡልና ግን መንግስቲ ኣሜሪካ ንኹሉ ክገብሮ ዝደሊ ኣይመስልን እዩ ። Talk about ሕሱራትን ሕሱር ህዝብን !!!
ሕጂ ኣነ ብዝመስለኒ ንኣሜሪካ መደናገሪ ሓበሬታ ዘቐብሉ ዘለው ብዘይካ ወለቕ-ዘለቕ ዝልማዶም ሕርያ (ሊሂቃን) ናይ ኣምሓራ እዞም ናትና ደረብይ - ኣብ ዓለም ተራእዮም ዘይፈልጡ፡ ዋላ ኣብ ትግራይ !! - ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ። ሃገርና ሳላ በዓል ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብራሃምን ካልኦት ውሱናት ምዑታትን እምበር ነጻ ኣይምወጽአትን ኔራ ። ኣባና ዝጽይቑ ብዙሓት እዮም ኔሮም ። ሕጂ 'ውን ዘይፈገዱ ብዙሓት ኣለዉና ። ቀደም ከም 'ዚ ሕጂ ተጋሩ - ዋላ እኳ ንጉጉይን ፋይዳ ዘይብሉን ዕላማ ይኹን እምበር - ሆ ኢሎም ወጺኦሞ ዘለዉ ኣብ ሃገርና ኣይሕሰብን እዩ ኔሩ ። ነዛ ኩሉ ተሳትፍ ሳዋ ከማን ፡ በዓል ኣዝዮም በላሕቲ መራሕትና ልዕሊ ኩሎም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብራሃም ርሑቕ ሓሲቦም ዝተኸልዋ ፡ ብዙሕ ተጻብኦ እዩ ኣጓኒፍዋ ። ክልተ ሰለስተ ዓመት ይገብር ገለ ገራሃት ኣሕዋትና ሰላም ተጌሩ እንድዩ ምድላዋትና ዘይንገድፎ ኢሎም ክዛረቡ እንከለዉ ትዝ ክብለኒ እንከሎ ንበይነይ ፍሽኽ ይብል ምስናይ ምረቱ !!