ኣብ ትግራይ፡ ጉቦ ከፊልካ መርድእ ውላድካ ከም ትንገር ትፈልጡ’ዶ?
(ናቅፋ ፕረስ) - ብልሽውና፡ ኣዚኻ ከትውሕዶ እምበር ፈጺምካ ደው ከተብሎ ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ ዋላ ኣብተን ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት’ውን፡ እቲ ተርእዮ፡ ውሑድ ይኹን እምበር ክጠፍእ ግን ኣይከኣለን::
ሕጂ ኣብ ትግራይ፡ ምጥያስ ካብ ሰራዊት፡ ጉቦን ብላዕን ክኸፍሉ ዝኽእሉ ጥራሕ እዮም እቲ ዕድል ዝረኽብዎ። ወጻኢ ካብዚ ኣቀዲምና ዝጠቀስናዮ በደል ግን፡ ይትረፍ ክትገብሮ ክትሓስቦ ከማን ዘስገድግደካ፡ ናብ ኣፍ ሞት ዝኸይድ ጥሙይ ናይ ወርሑ መቑነኑ ስርናይ ረዲኤት ምስራቅ እዩ፡፡ ዝገርምካ ድማ፡ ካብቲ ንስሌኻ ክብል 17 ዓመት ተቓሊሰ ዝብል ኣካል'ዩ እዚ ከምዚ ዝበለ ዓይነት በደል ዝፍጽም ዘሎ።
ካልእ ጫፍ ጭካነ መራሕቲ ህወሓት ዘርእየካ ተርእዮ ኣብ ትግራይ፡ ነቲ ብጽጋብ ተወጢሮም ከምኡ’ውን ካብ ገበናቶም ንምህዳም ዝወልዕዎ ኩናት፡ ንኸድሕኖም ኢሉ ዝሞተ ህዝቢ ምንጋር ናይ ሞቱ መርድእ ብጉቦ ብላዕ ምግባሮም እዩ::
መቸም ከምዚ ዓይነት ጭካነ ኣብ ታሪኽ ተጌሩ ይኹን ተሰሚዑ ከም ዘይፈልጥ፡ ምስክር ዘድልዮ ኣይመስለንን።
ኣብ መደምደምታ፡ ክሳብ ክንድዚ ዝወረዱ ሓለፍቲ ሰራዊትን ካድረን እዮም ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ኣብ ትግራይ ፈጢሮም ዘለዉ፡፡
ስለዚ ህዝቢ ትግራይ፡ ነቲ ናብ ከምዚ መከራ ሸሚሙዎ ዘሎ ጃንዳ ካብ ሱሩ ንምምሓው ልዕሊ ዝሓለፈ ቃልሱ ዘሕይለሉ እዋን ሕጂ እያ።
__________________