Page 1 of 1
መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2026
Posted: 31 Dec 2025, 16:08
by Zmeselo
መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2026
ንዛዝሞ ዘሎና ዓመት፡ ብደረጃ ዞባና፡ ዝሰፍሐ ጎደቦናን ዓለምን፡ ንሰላም፡ ርግኣትን ሓባራዊ ልምዕታዊ ገስጋስን ዝፈታትኑ፡ ዝተሓላለኹ ክስተታት እተጋህደሉ’ዩ ኔሩ።
ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ቅልውላዋት ዝዓበለሎ ሃዋህው፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ከም ወትሩ ንኹሉ ክስተታትን ብድሆታትን፡ ልቦና፡ ዓቕሊን ተጻውርነትን ዓጢቖም ክምክትዎ፥ ሃገራዊ ርግኣትን ልኡላውነትን ከውሕሱ፥ ምስ ኩሉ ማሕለኻታት ድማ፡ ተልእኾ ሃገራዊ ልምዓት ከሰላስሉ በቒዖም እዮም።
ኣብ ዓመተ 2026፡ እዚ ሕላገት’ዚ ብዝያዳ ደሚቑ፡ ገስጋስ ህንጸትን ልምዓትን ሃገር ብዝሓየለ ናህሪ ክቕጽል ሰናይ ትምኒተይ እናገለጽኩ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ንምዑታት ሓይልታት ምክልኻሉን
ዮሃና፡ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ልደትን።
Re: መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2026
Posted: 31 Dec 2025, 17:28
by sesame
ወዲ ኣፌ
ኤርትራውያን ዕድለኛታት ኢና ናትና ኴንካ፡ ንኹሉ ኤርትራ ዘጋጠማ ማሕለኻታትን፡ ተጻብኦታትን በዲህካ፡ መንነትና ክኽበርን፥ ልዑላውነትና ከይድፈረን ወሳኒ ተራኻ ትጻወት ምህላውካ። ርሑስ ሓዲሽ ዓመትን ጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ንምነየልካ።
We Eritreans are lucky to have this exceptional leader. We wish Wedi Afe a happy new year and a long and healthy life to continue to play his decisive role in confronting and defeating all hostilities, obstacles and betrayals !
Zmeselo wrote: ↑31 Dec 2025, 16:08