Will Ethiopians die for UAE?
Posted: 15 Aug 2025, 12:32
ጊዜና'ዩ እሞ፣ ምኽሪ'ዶ ክንህቦ ነዚ ገዲም ተጋዳላይ ኣያና?
- ኣነ ኣባል ዋርሳይ፣ ነዛ ሃገረይ ወዲ 16 ከላሽን ተሓንጊጠላ
- ስድራይ ከርተት ኢሎሙላ፣ ብጾተይ ድማ ቀቢረላ። ኣዴታቶም'ዉን ኣርዲአ'የ።
- ቤታ ክድፈር ስለ ዘይፈቅድ፣ ክሳብ'ዛ ዕለት ኣብ ጎድና ደዉ ኢለ ኣለኹ።
- ብዛዕባ'ዛ ልዕሊ 100000 ዕሸላት ዝወደቑዋ ኣብ ሜድያ ወጺኻ እንክትዛረብ፣ 2 ጊዜ ምሕሳብ የድልየካ'ዩ። ንምንታይ?
- ምስ ፕ/ት ኢሰያስ ዝነበረካ ናይ 90ታት ዉልቃዊ ቅርሕንትኻ ከተዉጽእ ክትብል፣ ንሃገረይ ምስ'ታ ክትወርር እትደሊ ዘላ ጎረቤት ሃገር ብሓደ ክትሰርዓ ‘‘ዓገብ‘‘።
- ኣብ ናይ BBC ቃለ መሕትትካ፣ ‘‘ኢሰያስ‘‘ ኢልካ ጀሚርካ፣ ‘‘ኢሰያስ‘‘ ኢልካ ዛዚምካ። ዓገብ!!
- ንሕና መናእሰያት፣ መጻወቲ ዉልቃዊ ቅርሕንቲ ክንነዉን ፍጹም ኣይንፈቅድን። ተሃንካ ከተዉጽእ ክትብል፣ ነታ ብጾተይ ዝቐበርኩላ ሃገረይ ማዕረ'ታ መሬት ካልኦት ክትዘምት ትመጣጠር ዘላ ጎረቤት ሃገር ክትሰርዓ፣ ብፍጹም ኣይንፈቕደልካን ኢና።
ወለዶይ ነቒሑ'ዩ!!


