Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 4564
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

“’ፖለቲካዊ ሕጽቦ’ - ‘ጽምዶ’” [ሰሞንኛው ኤርትራዊ ግጥም]

Post by Meleket » 21 Jun 2025, 04:16

ፖለቲካዊ ሕጽቦ

ኣብ ዘመነ ጽምዶ፡
መርትዖ ናይ ካልኦት ስለዝኸበዶ፡
ተቃዉሞ ሚልዮናት ስለዘሰንበዶ፡
‘ሰብ ዝሰኣነ ሰብ’ ተዛሪቡ ጋዶ!

ከም ወዲ ኣስራት ጌሩ፡
ልክዕ ከምቲ ገብሩ
‘ሰብ ዝሰአነ ሰብ’ ህዝቢ አደናጊሩ፡
ልፍዓተይ ግዒሩ፡
ብርሃነ ዓፊሩ!

"ዝተኸፍለ ይኸፈል፡

ጽምዶ ደኣ ይዓብልል።

ዝወሰደ ይውሰድ፡
ጽምዶ ደኣ ይሰዉድ፡
ሓሳባትና ነስርጽ ሕጂ ብኣስገዳድ።

ይጥፋእ ዲሞክራሲ፡
ንምልኪ ነሳሲ።

ብሔርና ከነድሕን፡
እንከይተሰኮንና ንሓርን ንሓንሕን፡"
ኢሉ ኢሎሞ ብርሂን።

ብቀቢጸ ተስፋ፡
ብርሃነ ለፍሊፋ፡
“ፖለቲካዊ ሕጽቦ” ሰፊፋ፡
“ጽምዶ” ተወንዚፋ።

ብናይ ማለሊት ሊቃዉንቲ-ወረ
ካብ ክልል ትግራይ ዝወፈረ፡
ንሓሳብ ብብረት ንምጥሓረ፡
እማመ ኣስሚዑና መትከል ዲክታቶረ።

ንፊዚካል ዲማርኼስን ዘብኾረ፡
ብግብሪ ኣብ ባይታ ከይተገብረ፡
ኣብ መሬት ኤርትራ ዝዓንደረ፡
“ንተሓዋወስ” ቢሉ ገዓረ፡
ከይሓነኸ ከይሓፈረ፡
ኅልናኡ ዘይመርመረ፡
ኪፍጠር ጀሚሩ “ዝተግረረ”:mrgreen:
ኪኸውን ደልዩ ወዲ ኤረ”!
:mrgreen:


Axumezana
Senior Member
Posts: 17346
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: “’ፖለቲካዊ ሕጽቦ’ - ‘ጽምዶ’” [ሰሞንኛው ኤርትራዊ ግጥም]

Post by Axumezana » 21 Jun 2025, 16:51

ኣሻስያ ሃንቲ ደርፉ፤ ፊዚካል ዲማርኼስን !

Meleket
Member
Posts: 4564
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: “’ፖለቲካዊ ሕጽቦ’ - ‘ጽምዶ’” [ሰሞንኛው ኤርትራዊ ግጥም]

Post by Meleket » Today, 04:50

ኣዅሱመጫላ ‘ዓቢሰብ’ ለባማት’ከ ክንደይ ይኸውን ደርፍኩም? ኣይንብለኹምን ኢና! እንተ ናይ ዓያሹ ሓንቲ ምዃና ነጊርካና ኣሎኻ!

ኣብዡ ገሊጭናዮ ካምዛሎና፡ ደርፍና “ፊዚካል ዲማርኬሽን” ጥራይ ኣይዀነን፡ እንታይ ደኣ፡ ፍቕሪ ዝሕላገቱ ሓባራዊ ስራሕ፡ ንግስነት ምድግጋፍን ምርድዳእን፡ ንዝበለጸ ሓባራዊ ውጽኢት ካብ ዚሓለፈ ትምህርቲ ምቕሳምን ዚብላ ደርፍታትዉን ኣለዋና ኣብዡይ ብሓንቲ ግጥሚ ጽሙቕ ኣቢልናልካ ኣሎና፡ ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን፡ በቲ ልሙድ ኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን።
አንት ብልጽግና እንዲሁም ወይን፡
ምን ያጣላናል በሄጉ ብይን?

ይልቅ እንትጋ ለጋራ ፍቅር፡
ችካል ቸክለን ሰላም እንኑር!

ይብቃ መናቆር እንዲያው ለከንቱ፡
ትብብር ይንገስ ይመር ውጤቱ፡
መማር ይበጃል ከባለፉቱ! :mrgreen:
viewtopic.php?f=2&t=308857

viewtopic.php?f=2&t=364184
Axumezana wrote:
21 Jun 2025, 16:51
ኣሻስያ ሃንቲ ደርፉ፤ ፊዚካል ዲማርኼስን !

Post Reply