
እዛ ጋዜጠይና ዝተፈላለየ ኣመለካክታ ዘለዎም ሰባት ናብ ቅርዓት ብምዕዳም፡ ህዝቢ ዝተፈላለየ ኣመለኻክታ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ንኪቐስም እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ነድንቕን ንምጉሳ’ዉን። ጓል ኣንስተይቲ ጋዜጠይና ክንድዚ ተቢዓ፡ ንህዝቢ ክተንቕሕ፡ ነቲ ዓለም ዝፈጠረላ መሳለጥያ ተጠቂማ፡ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ዚውንኑ ዜጋታት ብምሕታት፡ ምላሾምን ርእይቶታቶምን ብምዝርጋሕ፡ ሓፋሽ ከተንቕሕ ምጽዓራ፡ መተባብዒን ክቡር ብልጫ’ዉን ምተገበኣ ነቢሩ። ንሳ ኣብ መድረክ ኣደይባ ርእይቶኦም ንኪገልጹ ዕድል እንተዘይትሕቦም ነቢራ፡ ናይ ብዙሓት ሰባት ቦለቲካዊ ርእይቶኦም ብዛዕባ ዞባና እንታይ ከምዚመስል ንኪንፈልጥ ዕድል’ኳ ኣይምረኸብናን ነቢርና። ግን
ዓወል ስዒድ፡ ስለምንታይ ኢዩ ዝተፈላለየ ኣመለካክታ ሰባት ኣብ ባይታ ንኪቐርብ ዚፈርሕ ዛሎ?
ርእይቶ ዝተፈላለዩ ሰባት ስለምንታይ የሰምብዶ?
ስለምንታይ ንሱ ጥራሕ ኪስማዕ ዚደሊ?
ስለምንታይ ንሓሳባት ብሓሳባት ንኪምክትን ሓሳባት ኬፍልቕ ዓቕሚ ስለዘይብሉ’ዶ ይኸውን?
ርእይቶ “ልሒቓን” ደኣ ብኸመይ ንሓፋሽ ኪበጽሕ ይኽእል?
ንጋዜጠይናታት ዞባና ንጽምዶ ዓዲሙ፡ ‘ልሒቓን’ ዞባና ንኪላዘቡ ዕድመ ስለምንታይ ዘይገበረ?
ኣብ ኤርትራ ብዘይኽኡ "ልሒቕ

ንፈውሲ ማሕላ እስከ ድምጺ ካልኦት ኤርትራዉያን ኣነቓቓሕቲን ጋዜጠይናታትን እዉን ዬስምዓና?
ቀደም ቀደም ብግዜ እኒ ዓሊ ዓብዱ፡ እኒ ኣማኑኤል ኣስራትን ማቴዎስ ሃብተኣብን ወዘተን ዚበሃሉ መንእሰያት ጋዜጠይናታት ንፈልጥ ነቢርና? ኣበዪ’ኮን ይህልዉ? ደሃዮም ገቢሩ ይፈልጥ’ ዶ? ቢልና ብሕቶ ኣይነዋጥሮን።
ሓደዉን መማህርቱ ከምዝነበረ ዝገለጸልና ዶ/ር ዮናታን ጽገ ዚበሃል ጋዜጠይና’ዉን ሓንሳብ ኣብነታዊ ቢሉ ኣላሊዮናን ሓቢሩናን ነቢሩ። ኣበይ’ኮን ይህሉ? ምስኡ’ከ “ጽምዶ” ጸዊዑ’ዶ ወላስ ንሰብ ስግር ሩባ መረብ ጥራሕ ኢዩ እቱይ “ጽምዶ” ዚምልከት!
ዝተፈላለዬ ኣረኣእያ ንዘለዎም ጋዜጠይናታት ትግራይ ንጽምዶ ሓቲቱ፡ እስከ ምእንቲ ሰላም፡ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ወለዶምን ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተኸፍሉ፡ ብመትከል ግን ምስኡ ዝተፈላለዩ፡ ነቶም “ጸላእተይን በላዕቲ ውዳቕን ወዘተን” ዚብል ሽም ዘጠመቖም ኤርትራዉያን ደፊሩ ንጽምዶ ይሕተቶም? ነዚ ንኸይገብር እንታይ ኢዩ ዜሰክፎ? እንታይ’ከ ይጽግሞ። ነፍሲኄር የማነ ባርያ “ምስ ወዲ ጓና ዕላል መጣቖሲ፡ ደጊም ዬሎን ናይ ኣሕዋት ባእሲ” ቢሉና ነቢሩ፡ እስከ ብግብሪ ምስ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ነቲ ዝሓለፈ ሕማቕ ናይ ቍሩቝስ ህይወት፡ ከም ኣገላልጻ ብርሃነ ዋጣ “ሃፍኡ ከይልብልበና ብኽዱኑ” ብምግዳፍ፡ ምእንቲ ሕድሪ ሰማእታት ቢሉ ሓዲሽ ምዕራፍ ፍቕሪ ንምጽሓፍ ይበገስ። ኤርትራዊ ኣቆናጺብኻ፡ ትማል ሚሳይላት ዝትኹሱልካ ምስ ዝነበሩ ሃይልታት እናንሕነቕነቕኻ ብዛዕባ ጽምዶ ምዝራብ ኣይግድን! ድርብ ዕያር ኢዩ!
ናብ ጉዳይ ጋዜጠይና መድህን ገብረስላሰ ንመለስ። ሄሄ ናይ እዛ ንፈልጣ ትግራይ፡ ናይ ክንደይ ‘ልሒቓና’ ድምጺ፡ ሳላ እዘን ተባዓት ጋዜጠይናታት ክንሰምዕ ዕድል ረኺብና ኣሎና። ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ድምጺ መንግስትን ድምጽኻን ድምጺ ሓባ ጭሕሙን ካልእ ድምጺ ተሰሚዑ ይፈልጥ ዲዩ? ቢልና ኣይነስሕቐካን። ቍሩብ እባ ዒብ ግበር። ሓሳባካትካ ብናጻ ምግላጽ መሰል ዜጋታት ኢዩ፡ መድሕን ኮነት ካልኦት ጋዜጠይናታት እንኮላይ ውልቀሰባት ሓሳባቶም ኪገልጹ ዘይገሓስ መሰሎም ኢዩ። ብወንጭፍ ኣብ ኤርትራ ወይ ኣብ ዛላምበሳ ዀይካ፡ ንሚዲያታት ትግራይ ክተመሓድር ምፍታን ደኣ፡ ብኤመይልን ብዩቲዩብን መራሒኩም ምረጹ ካብ ምባል ብምንታይ ይፍለ? ምስለኔታትካ ካብ ምሻም ብምንታይ ይፍለ? ምስለኔታት መሓዉር ሚዲያ ምትካል ዲኻ “ጽምዶ” ትብሎ ዛሎኻ?
ተባዕ ዀይንካ ምእንቲ ኣሽሓት ዝተሰውኡሉ ሓቂ ትጉስጉስ እተሊኻ፡ ፈለማ ጉዳይ ዶብና ኣብ ባይታ ብፊዚካል ዲማርኬሽን ሰላማዊ መዕለቢ ንኪግበረሉ ኢኻ ክትጉስጉስ ዚግበኣካ ዝነበረ እምበር፡ ድምጺ ሓፋሽ ህዝቢ ትግራይ ንከይስማዕ፡ ንስኻ ጥራይ ተማእዝኖ ሚዲያ ኪግበር ምእማም፡ ልሙስ ብኣካይዳካ፡ ኣብ ምምንጫዉ ሓሳባት ድኻ ምዃንካ ጥራሕ ኢዩ ዚሕብረና፡ ቢልና ኣሎን ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን በቲ ልሙድን ልሉይን ኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን!
እቱይ ዝገረመና ድማ ኣርቲስት ኢዬ እናበልካ፡ ብኣርቲስታዊ ጥበቡ ገቢሩ፡ ንጌታቸው ኮነ ንታደሰ ወረደ ብምምሳል ንዚዋሳእን ንህዝቢ ዞባናን ዜዘናግዕ ዛሎ ወዲ፡ ክተቆናጽብ ምፍታናኻ ኢዩ። ብርግጽ እዚ ስሙ ዘይፈለጥናዮ ትግራዋይ ወዲ፡ በዚ ፍሉይ ህያቡ ገቢሩ፡ ናይ ካልኦት ፖለቲከኛታት ዞባና ኣዘራርባን ኣወሳስኣን ገቢሩ ዝያዳ ምእንቲ ንህዝብና ኬዘናግዕ ጻውኢት ንገብረሉ። ንስለቲ ጥበባዊ ስራሑ ድማ ክብሪ ንህቦ ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን።
"ኣገናዕ" ትግራወይቲ ጋዜጠይና መድህን ገብረስላሰ (ብራኸ ሸዉ)! ድምጺ ጋዜጠይናታት ንከይስማዕ ትእምም ስለዘሎኻ፡ ከምኡውን ናጻ ርእይቶ ሰባት ከይግለጽ ክትኾልፍ ብምድላይካ፡ ብምስለኔታት ሚዲያ ንዞባና ኪተማእዝን ብምፍታንካ ‘ዓገብ’ ንዓወል ስዒድ!
I speak my mind!!
Profile • Journalist
Lives in Mek'ele