Page 1 of 1

Radio Erena: ኤርትራ ኣስታት 300 ወትሃደራት ናብ ሶማል ልኢኻ

Posted: 23 Oct 2024, 06:14
by QB
Radio Erena – Tuesday, 22 October 2024

ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝርከብኦም ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ሶማል ከምዝኣተዋ ወትሃደራውያን ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ልዕሊ 300 ዝግመቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ወደብ ዓሰብ ብመርከብ ተበጊሶም፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ናብ ሶማል ከምዝኣተዉ‘ዩ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ኣብ ኤርትራ፣ ልዕሊ 3 ሽሕ ወርትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ሓይልታት ምድሪ፣ ኣየርን ባሕርን ይስልጥኑ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ተልእኾ ናይቶም ናብ ሶማል ተዋፊሮም ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ንጽር እኳ እንተዘይኮነ፣ ምስ ሰራዊት ግብጽን ሶማልን ምሕዝነት ንምድልዳል ዝዕላምኡ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከካይዱ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ንሶማል፣ ኣጽዋር ብሓገዝ ዝሃበት ግብጺ፣ ብዝሑ ዘይተሓበረ ሰራዊት ናብታ ሃገር ኣዋፊራ ከምዘላ‘ዩ ዝንገር።

እዚ ከምዚ‘ሉ እንከሎ፣ ብርክት ዝበለ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዓሰብ ይግዕዝ ከምዘሎ ራድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ።

ንትምህርትን ስልጠናን ተባሂሎም፣ ካብ ኣሃዱታቶም ዝተሳሕቡን ገና ምደባ ክጽበዩ ዝጸንሑን ኣሽሓት ኣባላት ሃገራት ኣገልግሎት፣ ናብ ዓሰብ ይግዕዙ ከምዘለዉ‘ዩ ዝሕብር እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ።

Re: Radio Erena: ኤርትራ ኣስታት 300 ወትሃደራት ናብ ሶማል ልኢኻ

Posted: 23 Oct 2024, 07:18
by Fiyameta
Radio Chigrayna should make a correction. The number of Eritrean troops deployed to Somalia is actually 300,000. :mrgreen: :mrgreen:

Re: Radio Erena: ኤርትራ ኣስታት 300 ወትሃደራት ናብ ሶማል ልኢኻ

Posted: 23 Oct 2024, 09:23
by Tog Wajale E.R.
☆QB A.K.A. Salih Rapist Gadi Johar Jebbertty ☆!!
☆ So What, Mighty Shaebia Eritrea 🇪🇷 ☆!!
☆ Will Do What Is Suited To Protect Interest ☆!!
☆ Ogaden Somali, Somalia & Eritrea 🇪🇷 ☆!!

Re: Radio Erena: ኤርትራ ኣስታት 300 ወትሃደራት ናብ ሶማል ልኢኻ

Posted: 23 Oct 2024, 13:26
by QB