Page 1 of 1
Eritrea MoJ, update.
Posted: 02 Oct 2023, 11:54
by Zmeselo
Minister Fawzia met with Professor Makane Moïse Mbengue & held extensive discussion regarding, inter alia, awareness in context of legal drafting and reform. Minister Fawzia outlined and elaborated the necessity of understanding national values & priorities as well as other guiding principles, when conducting any process of legal reform. Minister Fawzia also met with Mr. Jan Fermon, Secretary General of the International Association of Democratic Lawyers, and discussed issues of relevance.
@MoJ_Eritrea has created a task force and conducted a week-long activity in September, to prepare a comprehensive action plan for the reform of the legal framework in context of the concept of development.
Re: Eritrea MoJ, update.
Posted: 03 Oct 2023, 03:44
by Zmeselo
ሓበን ሃገር ራብዓይ ግንባር!
ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብ22 መስከረም 2023፡ ቅርዓት ሃገራዊ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ክዘርግ ዘንቀደ ዕብዳን ሎም ዘመን ብምቅዋም፡ ምዕሩግ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም። ክብርን መሰልን ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሕሎ ዝጠልብ ልዕሊ 10,000 ክታም ዝሓዘ ደብዳበ ድማ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኣረኪቦም።
ካብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ጀሚሩ፡ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ዝጽንብልዎ በዓላትን ዘካይደዎ ሰላማዊ ሰልፊን፡ ብብዝሒ ተሳተፍቱን ስነ-ምግባሩን ኳዕናን’ዩ። መርኣያ ርዝነት ኤርትራዊ መንነት ድማ’ዩ። ናይ 22 መስከረም ሰላማዊ ሰልፊ ዓባይ ብሪጣንያ ከኣ፡ ነዚ ምስኩር ጭውነት’ዚ ደጊሙ ብምኹላዕ፡ ብተዘዋዋሪ መገዲ ኣብ ዕብዳን ሎም ዘመን ዝተራእየ ነውራም ተግባር፡ ንባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ጓና ተርእዮ ምዃኑን ዋናታቱ ካልኦት ምዃኖምን ዘነጽር መልእኽቲ ዘመሓላለፈ እዩ።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ኣንጻር ህዝቦምን መንግስቶምን ዝቐንዐ ተጻብኦታት ኣብ ዝቕልቀለሉ፡ ብልዑል ውህደት ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ምሃብ ባህሎም’ዩ። ሓያሎ መንግስታት ንዜናዊ ስርሓትን ማልዶትን (ሎቢ) ብርኩት ወፍሪ ከፍስሱ ከለው፡ ኤርትራ ግን ከምኡ ዓይነት ፈሰስ ዘድልያ ሃገር ኣይኮነትን። ዜጋታታ፡ ብዘይ ዝኾነ መምርሒ፡ ብተበግሶኦም፡ ንሃገራዊ ጉዳዮም ባዕሎም ዝጣበቑ እዮም። ፈታዊን ጸላኢን “ኩሉ ኤርትራዊ፡ ኣምባሳደር ሃገሩ’ዩ” ክብል ዝተቐሰበ በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ።
ህዝባዊ ግንባር ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ
ፖለቲካዊ ንቕሓት ኣብ ሓፋሽ ምስዝሰርጽ፡ ናብ ብርቱዕ ነገራዊ ሓይሊ ይቕየር
ዝብል እምነት ዝነበሮ ውድብ’ዩ።
በዚ ኣመለኻኽታ’ዚ ዝተዀስኰሰ ሃገራዊ ንቕሓት ከኣ፡ ንመኸተ ኤርትራውያን ወትሩ ኣብ በሪኽ ዝባንን ጽኑዕ ዕርዲን ከምዝሰፍር ገይሩዎ። ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይሃልው ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሮምን ዓለማዊ ኩነታትን ኣናብባኦም ተመሳሳሊ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ብቐንዱ ውጽኢት ናይዚ ንቕሓት’ዚ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ርድኢትን ንቕሓትን ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ዝርከብ ጸጋ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ተሪር እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ እምነቱ ኣብ ነብሱን ንቕሓቱን ብምንባር፡ ጸጋታቱ ዘወሃህድ ውዳበን መርበብን ፈጢሩ፣ ባዕሉ ጠበቓ ፍትሓዊ ጉዳዩ ክኸውን በቒዑ’ዩ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ፡ በዚ ብልሕን ንቕሓትን’ዚ፡ ንኹሉ ዓይነት ብድሆታትን ሽርሒታትን እናጠሓሰን እናሰዓረን ብቐጻሊ ኣብ ጎደና ዓወት ኣብ ምምራሽ ይርከብ።
ኤርትራ ኣብ ርእሲ’ቲ ሓቀኛን ፍትሓዊን ዕላማኣ ተወሳኺ ሓይሊ ዝኾና ዘሎ ረቛሒ፡ ዕዙዝ ሱታፌ ዜጋታታ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ’ዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ እዚ ኣብ ፍሉይ ታሪኻዊ ክውንነት ናይዚ ሃገር’ዚ ዝማዕበለ ሓያልን ኣድማዒን ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፡ ክዕቀብን ዝያዳ ክምዕብልን ይግባእ። ሃገር ትተኣማመነሉን ትሕበነሉን ራብዓይ ግንባር ብምዃኑ!
ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንቕሓትን ጥምረትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ልዕሊ ዝኾነ ዓይነት ብድሆ በሪኹ ዝቕመጥ ምዃኑ ደጊሙ ብምርግጋጽ፡ ሕጂ’ውን ብድሕሪ’ዚ ዕብዳን’ዚ ንዘለዉ ሃንደስቲ፡ ሃቐንኦም ቅንጡእ፣ ኣተናኦም ምኽሉእ ምዃኑ ኣርዲኡዎም ኣሎ። ነቶም መሬትን ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ በበይኑ መሲሉዎም፡ ክሳብ ሕጂ ፍረ ኣብ ዘይብሉ ሃልኪ ተጸሚዶም ዝጸንሑ ሰብ ግጉይ ቅማረ ከኣ፡
ደጊምሲ ቅበጹ!
ዝብል ሕልናኦም ዘዕርብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉሎም ኣሎ።
ዘስተውዕል ኣእምሮ እንተለዎም፡ ህዝቢ፡ መንግስቲ፡ መሬት ኤርትራ፡ ሓደ ኣካል - ሓደ ተምሳል፤ ሓደ ሓይሊ - ሓደ መንፈስ እዮም። - ንዘንተ እለት!
ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ
Re: Eritrea MoJ, update.
Posted: 03 Oct 2023, 07:16
by Zmeselo
Re: Eritrea MoJ, update.
Posted: 03 Oct 2023, 07:59
by Temt
Thank you, brother! I don't think I would have visited this Agame-infested site had it not been for the current and valuable info I get from you and our tireless brothers from the blessed ምድረ ባሕሪ! As PIA said: "ናትና ኣይንህብን፡ እንዳማትና'ውን ኣይንደልን"!
Re: Eritrea MoJ, update.
Posted: 03 Oct 2023, 11:50
by Temt
ሓበን ሃገር ራብዓይ ግንባር!
Editorial
On Oct 3, 2023
ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብ22 መስከረም 2023፡ ቅርዓት ሃገራዊ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ክዘርግ ዘንቀደ ዕብዳን ሎም ዘመን ብምቅዋም፡ ምዕሩግ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም። ክብርን መሰልን ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሕሎ ዝጠልብ ልዕሊ 10,000 ክታም ዝሓዘ ደብዳበ ድማ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኣረኪቦም።
ካብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ጀሚሩ፡ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ዝጽንብልዎ በዓላትን ዘካይደዎ ሰላማዊ ሰልፊን፡ ብብዝሒ ተሳተፍቱን ስነ-ምግባሩን ኳዕናን’ዩ። መርኣያ ርዝነት ኤርትራዊ መንነት ድማ’ዩ። ናይ 22 መስከረም ሰላማዊ ሰልፊ ዓባይ ብሪጣንያ ከኣ፡ ነዚ ምስኩር ጭውነት’ዚ ደጊሙ ብምኹላዕ፡ ብተዘዋዋሪ መገዲ ኣብ ዕብዳን ሎም ዘመን ዝተራእየ ነውራም ተግባር፡ ንባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ጓና ተርእዮ ምዃኑን ዋናታቱ ካልኦት ምዃኖምን ዘነጽር መልእኽቲ ዘመሓላለፈ እዩ።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ኣንጻር ህዝቦምን መንግስቶምን ዝቐንዐ ተጻብኦታት ኣብ ዝቕልቀለሉ፡ ብልዑል ውህደት ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ምሃብ ባህሎም’ዩ። ሓያሎ መንግስታት ንዜናዊ ስርሓትን ማልዶትን (ሎቢ) ብርኩት ወፍሪ ከፍስሱ ከለው፡ ኤርትራ ግን ከምኡ ዓይነት ፈሰስ ዘድልያ ሃገር ኣይኮነትን። ዜጋታታ፡ ብዘይ ዝኾነ መምርሒ፡ ብተበግሶኦም፡ ንሃገራዊ ጉዳዮም ባዕሎም ዝጣበቑ እዮም። ፈታዊን ጸላኢን “ኩሉ ኤርትራዊ፡ ኣምባሳደር ሃገሩ’ዩ” ክብል ዝተቐሰበ በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ።
ህዝባዊ ግንባር ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ “ፖለቲካዊ ንቕሓት ኣብ ሓፋሽ ምስዝሰርጽ፡ ናብ ብርቱዕ ነገራዊ ሓይሊ ይቕየር” ዝብል እምነት ዝነበሮ ውድብ’ዩ። በዚ ኣመለኻኽታ’ዚ ዝተዀስኰሰ ሃገራዊ ንቕሓት ከኣ፡ ንመኸተ ኤርትራውያን ወትሩ ኣብ በሪኽ ዝባንን ጽኑዕ ዕርዲን ከምዝሰፍር ገይሩዎ። ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይሃልው ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሮምን ዓለማዊ ኩነታትን ኣናብባኦም ተመሳሳሊ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ብቐንዱ ውጽኢት ናይዚ ንቕሓት’ዚ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ርድኢትን ንቕሓትን ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ዝርከብ ጸጋ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ተሪር እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ እምነቱ ኣብ ነብሱን ንቕሓቱን ብምንባር፡ ጸጋታቱ ዘወሃህድ ውዳበን መርበብን ፈጢሩ፣ ባዕሉ ጠበቓ ፍትሓዊ ጉዳዩ ክኸውን በቒዑ’ዩ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ፡ በዚ ብልሕን ንቕሓትን’ዚ፡ ንኹሉ ዓይነት ብድሆታትን ሽርሒታትን እናጠሓሰን እናሰዓረን ብቐጻሊ ኣብ ጎደና ዓወት ኣብ ምምራሽ ይርከብ።
ኤርትራ ኣብ ርእሲ’ቲ ሓቀኛን ፍትሓዊን ዕላማኣ ተወሳኺ ሓይሊ ዝኾና ዘሎ ረቛሒ፡ ዕዙዝ ሱታፌ ዜጋታታ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ’ዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ እዚ ኣብ ፍሉይ ታሪኻዊ ክውንነት ናይዚ ሃገር’ዚ ዝማዕበለ ሓያልን ኣድማዒን ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፡ ክዕቀብን ዝያዳ ክምዕብልን ይግባእ። ሃገር ትተኣማመነሉን ትሕበነሉን ራብዓይ ግንባር ብምዃኑ!
ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንቕሓትን ጥምረትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ልዕሊ ዝኾነ ዓይነት ብድሆ በሪኹ ዝቕመጥ ምዃኑ ደጊሙ ብምርግጋጽ፡ ሕጂ’ውን ብድሕሪ’ዚ ዕብዳን’ዚ ንዘለዉ ሃንደስቲ፡ ሃቐንኦም ቅንጡእ፣ ኣተናኦም ምኽሉእ ምዃኑ ኣርዲኡዎም ኣሎ። ነቶም መሬትን ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ በበይኑ መሲሉዎም፡ ክሳብ ሕጂ ፍረ ኣብ ዘይብሉ ሃልኪ ተጸሚዶም ዝጸንሑ ሰብ ግጉይ ቅማረ ከኣ፡ “ደጊምሲ ቅበጹ!” ዝብል ሕልናኦም ዘዕርብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉሎም ኣሎ። ዘስተውዕል ኣእምሮ እንተለዎም፡ ህዝቢ፡ መንግስቲ፡ መሬት ኤርትራ፡ ሓደ ኣካል – ሓደ ተምሳል፤ ሓደ ሓይሊ – ሓደ መንፈስ እዮም።- ንዘንተ እለት!
ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ