ኣገዳሲ ሓበሬታ ካብ ማሕብረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል፡ ብዛዕባ ዘጋጠመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ፡፡
Posted: 03 Sep 2023, 12:41
ኣገዳሲ ሓበሬታ ካብ ማሕብረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል፡ ብዛዕባ ዘጋጠመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ፡፡
ማሕበረኮምና፡ ከምቲ ዓመታዊ ዝገብሮ፡ ባሕቲ መስከረም ንምኽባር ትማሊ ቀዳም 02 መስከረም ምድላዋት ኣጻፊፉ ተሳተፍቲ በዓል ክሳብ ዝጅምር ንእከበሉ ቦታ ብፖሊስ እስራኤል ተሓበርና።
ምስ ፖሊስ ክንገብሮ ኣብ ዝቀነና ርክባት ከኣ ሕግን ጸጥታን ምኽባር ሓላፍነት ፖሊስ ከምዝኾነ ኣዳራሽና ባዕልና ክንሕልዎ ከምዘይፍቀደናን፡ እቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ከኣ ካብ ኣደራሽና 500 ሜትሮ ርሒቆም ተፈቂድሎም ከምዘሎ ሓቢሮምና።
ብወገንና ንፖሊስ ዝሃብናዮም መጠንቀቕታ፡ እዞም ኣሸበርቲ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ጉልባብ ከምዝጥቀምሉ፡ ኣንጊሆም ወጋሕታ ኣብቲ ንገብረሉ ኣደራሽ ይኹን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ሓደጋ ከውርዱ ከምዝኽእሉ ኢዩ ኔሩ።
ብድሕሪ'ዚ፡ ንሕና ኣብቲ ዝተፈቕደና ቦታ ቀጽሪ ኤምባሲ ኤርትራ ምትእኽኻብና ምስ ጀመርና እቶም ኣሸብርቲ ንግሆ ወጋሕታ ከምኣመሎም ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ክገብርሉ ዝተዋህቦም ቦታ ዘይኮነ ኣብ ከባቢ ኣደራሽ በዓልና መጺኦም ምስ ፖሊስ ኣብ ግጭት ኣተዉ። ስለዚ፡ ብዓንዲ ርእሱ፡ ንነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ግጭት ኣብ መንጎ ፖሊስን እዞም ኣሸበርትን ኢዩ ነይሩ።
ብድሕሪ'ዚ ኣብ ከባቢ ሰዓት 1 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ኣባላት ማሕበረኮምና ተኣኪብናሉ ዘለና ከባቢ ክመጹ ስለዝመደቡ፡ ኣባላት ማሕበረኮምና ንድሕነት ህዝቦምን ተሳተፍቲ በዓላትን ተኣኪቦም ነፍሰ ምክልኻል ክገብሩ ተገዲዶም ኣብ ግጭት ከኣ ተኣትዩ።
ስለዚ ኩሉ ሰብ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ክፈልጦ ዝግባእ፡ ከም ኩሉ ማሕበረኮማትና ኣብ ኩሉ ሃገራት ዘሎ፡ ኣብ እስራኤል ዘሎ ማሕበረኮምና ውን ኩሉ ግዜ ሕጊ ኣኽቢርና ብስነ ስርዓት ከምንኸይድ ፖሊስን መንግስቲ እስራኤልን ኣዳዕዲዖም ከምዝፈልጡ፡ ዝኾነ ጸገም ከኣ ጌርናሎም ኣይንፈልጥን።
እዚ ዘጋጠመ ግብረሽበራዊ መጥቓዕቲ፡ ዕላምኡ ንጹር ኢዩ። ኤርትራዊ ከይተኣኻኸብ፡ መንነቱን ክብርታቱን ታሪኹን ንምብታን ዝዓለም ኢዩ። ስለዚ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ኣብ መትከሉን ዕላምኡን ጸኒዑ ንኽብርታቱ ደው ክብል ምዃኑ፡ ደጊምና ነረጋግጽ።
ኣብ ምሉእ ዓለም ብኣና ትሻቐሉ ዘለኹም፡ እዚ ጉዳይ ምስ መንግስትን ፖሊስን እስራኤል፡ ኣማኸርቲ ሕግን ጠበቓታትን ኮንና ንከታተሎ ከምዘለና ክንሕብረኩም ንፈቱ።
ክብርን መጎስን ንሰማእታትና!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!