ምድራዊት ሲኦል!!!
Posted: 14 Aug 2023, 00:28
ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ትግራይ! (ብጓል ፈዳይን ሻዕቢያ) -

ሰፊሕ ክፋል መሬት ክልል ትግራይ (ችግራይ) ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዕስለ ኣንበጣ ይዉረር ኣሎ።
ከምዝፍለጥ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ማሕረስ ተዋፊሩ ዝነበረ ኣማኢት ኣሽሓት ትግራዋይ መንእሰይ ሃሊቑ እዩ። ብሰንኩ ድማ እታ ድሮ ንህዝባ ክትቅልብ ዘይትኽእል ዝነበረት ክልል ትግራይ መሬት ጥምየትን ዓጸቦን፣ ምድራዊት ሲኦል ኮይና ኣላ።
ትግራዋይ ንኽልምን ናብ ክልል ኣምሓራን ኣዲስ ኣበባን ቆልዓ ምስ ሰበይቲ ተሓናጊሩ ብዕስለ ይስደድ ኣሎ።
ብሰንኪ ስርቂ ናይ ረድኤት እኽሊ ኣብ ከቢድ ዓጸቦ ኣትዩ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ፣ ከም'ቲ ንበዓል ነጎዳ ብሓዊ ደብሶ ዝተባህለ ሕጂ ድማ ብዕስለ ኣንበጣ ይዉረር ኣሎ።
ኣቤት መርገም!