Page 1 of 1

እምቢ ኮፍ ኣይብልንየ እንዳ በለ ሰላም ከሊኡ ዝነበረ ፍጥረት ሓፍ ኣቢሎም ኣብ መቕሎ ኮፍ ምስ ኣበልዎ ድሕሪ መዓኮር ጠሸሽ ጠሸሽ ሓፋዛ ናይ ማይክ ሃመር ተኸዲኑ ምስ ቃንዛኡ ኣብ ኩርሲ ፕሪቶ

Posted: 15 Feb 2023, 06:46
by Abe Abraham

እምቢ ኮፍ ኣይብልንየ እንዳ በለ ሰላም ከሊኡ ዝነበረ ፍጥረት ሓፍ ኣቢሎም ኣብ መቕሎ ኮፍ ምስ ኣበልዎ ድሕሪ መዓኮር ጠሸሽ ጠሸሽ ሓፋዛ ናይ ማይክ ሃመር ተኸዲኑ ምስ ቃንዛኡ ኣብ ኩርሲ ፕሪቶርያ ኮፍ ኢሉ !!

ሓደ ሓውና ካብ ኣምሓራ ንተጋሩ " በላዕቲ ቅጫ/ኣንበጣ '' ኢሉ ክገልጾም ምስ ሰማዕኩ ሽዑ ንሽዑ ብዋዛ ነዘን ናይ ዳርፊ መስመራት ሰሪዐ ፥

ኣብ ደሴ
ክህርስ
እየ
ኣነ
ተመስየ!!

ኮምቦልቻ
ክቆርስ
እየ
ቅጫ
ንጽብሒቱ !!


እዚ ጀፍ ፈልትማን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ " ወይን ጸላም ወይን ጸላም ፡ ኣንቲ ጠላም ፡ ኣነ ንዓኺ ክጽበ ብሃንቀውታ ንስኺ ደርቢኽኒ ኣብ ጸላም ፡ በዓል ኣዲስ ድማ ይብሉኒ ሰላም ሰላም ፡ ሃገሮም ከፍርስ መጺአ እንከለኹ ሒዘ ዲያብሎሳዊ ፕላን ። " ኢሉ እንዳ ደረፈ ተልእኾኡ ኣብ ምስልሳል ኣብ ዝርከበሉ ዝነበረ እዋን እዩ ።