ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ናበይ ገጹ ይኸይድ ኣሎ ?
Posted: 13 Jul 2021, 00:46
ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ናበይ ገጹ ይኸይድ ኣሎ ?
1_ኣብ ሱዳን እስላማዊ እየ ዝብል መንግስቲ ናይ በዓል ሓሰን ኣል-ቱራብን ዑመር ኣል-በሺርን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ደቂ ሃደንዳዋ ነቲ ስርዓት ብምቅዋም ኣብ ትሕቲ ባይቶ ቤጃ ተጠርኒፎም ብረት ኣልዒሎም ይቃለሱ ኔሮም ።
2_ምስ እዚ ጎኒ ንጎኒ ኣባላትን ተደናገጽትን ናይ እስላማዊ ጂሃድን ቀደም ብጀብሃ ዝፍለጥ ዝነበረ ምጥርናፍን ብሓደ ሸነኽ ብእስላማዊ መንግስቲ ሱዳን ተደጊፎም ንኤርትራ ክወግኡ እንከለዉ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ዜግነት ተዋሂብዎም ኣብ ምብራቅ ሱዳን ምስ እስላማዊ ግንባር በዓል ሓሰን ኣል-ቱራቢ ይንቃሳቐሱ ኔሮም ። ብኡ ጌሮም ድማ ኣብ ደቂ ሃደንደዋ ኣብ ዘየለውሉ - ንቃልሲ ወፊሮም ከለዉ - እዋን ኣብ ምብራቕ ሱዳን/ሱዳን ከስፋሕፍሑን መዝነት ክወስዱን በቒዖም ።
3_ሕጂ ኣብ ሱዳን - ከም ዝበሃል - መሰልካ ትሓተሉ ሃዋህው ተፈጢሩ ስለ ዘሎ እቶም ደቂ ሃደንደዋ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ናይ ምምሕዳር ይኹን ስራሕ መንግስቲ ዕድላትናን እጃምናን ኣበይ ኣሎ ዝብል ሕቶ ከቕርቡ ጀሚሮም ።
4_እቶም ሃደንዳዋን ሓደ ካብ እቶም ዓበይቲ ያታውያን መራሕቶም ከም በዓል ናዝር ትርክ ዝኣመስሉ መሰሎም ክሓቱ እንከለዉ " ንሕና ነቶም ቀንዲ ደቂ በኒ ዓምር ሱዳን መሬቶም ካብ ጦከር ንደቡብ ገጹ ኮይኑ ከም ሱዳናውያን ንኣምነሎም ። እቶም ካልኦት ፍሉይ ጥቕሚ ዝረኽቡን ምሳና ዝጫቓጨቑን ዝጫረቱን ዘለዉ ግን እስላማዊ ግንባር ናይ ዜግነት ወረቐት ሂቡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝተኸሎም እዮም ። " ይብሉ ። ጠለብ ደቂ ሃደንዳዋ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ጸሪግኩም ኣውጽእዎም ዘይኮነስ ኣብ ቦታና ኮይኖም መሰላትና ክምንዝዑን ቀዳምነት ክዋሃቦምን ክፍቀድ የብሉን እዩ ።
5_እቲ ካብ ጥንቲ ብደቂ ሰሜን ሱዳን ዝተዓብለለ መንግስቲ ሱዳን ካብ ቀደም ኣትሒዙ ንኣብ ዝተፈላለየ ሸነኻት ሱዳን ዝርከቡ ዓሌታት እንዳናቖረን እንዳ ኣቃተለን ስልጣኑን ዕብላለኡን ናይ ምንዋሕ ባህርያት ጸኒሕዎ እዩ ። እዚ ብቐሊሉ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዳርፉርን ኮርዶፋንን ጎቦታት ኑባን ብሉ ናይል ሰተይትን ክረአ ዝጸንሐ እዩ ።
6_ብቐዳማይ መንግስቲ ሱዳን ምስ ደቂ ጎቦታት ኑባን ብሉ ናይል ስተይትን ናይ ውሱን ርእሰ-ምትሕድዳር ስምምዕ ጌሩ ። እዚ ንናይ ርሑቕ ተዓዛቢ ጽቡቕ ይመስል ይኸውን ቀስ ኢልካ እንተ ሪኢኻዮ ግን ብተንኮል ዝተባዕጠ ውሳነ እዩ ኔሩ ። ከመይ ? ሕቶ ናይ እቶም ክልተ ክፋላት ሱዳን ዕልማናዊ መንግስቲ ስለ ዝነበረ እዞም ዘለዉ መራሕቲ ሱዳን ሃይማኖትን መንግስትን ኣጸቢቕካ ምፍላይ ስለ ዝጸገሞም ነቶም ክልተ ክፋላት ኣብ ቦትኦም እቲ ዝደለይዎ ክገብሩ ኣፍቂዶምሎም ።
7_ሕጂ 'ውን ነዚ ናይ ምብራቕ ሱዳን ጉዳይ ኣብ ክንዲ መዕለቢ ዝገብርሉ ሓንሳብ ንበኒ ዓምር ምስ ኑባ ፡ ንሃደንዳዋ ምስ በኒ ዓምር ፡ ንያታውያን መራሕቲ በኒ ዓምር ነንሕድሕዶም ፡ ንያታውያን መራሕቲ ሃደንዳዋ ነንሕድሕዶም እንዳናቖቱ ንኹሉ ዝሕተት ፍትሓዊ ማሕበራውን ፖልቲካውን ቁጠባውን ሕቶታት ብቕንዕና ምምላስ ኣብዮም ይርከቡ ። ደቂ ሰሜን ዝኾኑ ገዛእቲ ሱዳን - ኣሜሪካን ምዕራባዊ ዓለምን እንዳተዓዘበ - ኣብ እዚ እዋን እዚ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ሱዳን ሓዊ ከም ዝባራዕ ጌሮም ኣብ ናይ ስልጣን ኮረሻ ተወጢሖም ይርከቡ ።