ህግደፍ ኣብ ደንካሊያ ንጂቡቲ ዘዳዉብ መሪታት ድፋዕ ክኹዕት ቐንዩ።
Posted: 09 Jul 2021, 17:37
1. ቕድሚ-ትማሊ ብርክት ዝበላ ናይ ኢትዮጵያ ታንክታት ብከረን ኣቢለን ናብ መንገዲ ባረንቱ ክሓልፋ ተራእየን። እዚ ዘርኢ ድማ ገለ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ኤርትራ ከም ዘሎ እዩ። ብተወሳኺ ንኲናት ምቅርራባት ዝግበር ከም ዘሎ ዘርኢ ይመስል። ዕላማ ናይዚ ምንቅስቓስ ግና እንታይ ምዃኑ ብትኽክል ክንፈልጥ ኣይከኣልናን።
ብዙሓት ሰባት ግን ናይዚ ብ ሕሞራ ዝቐነየ ኩነታት ይኸዳ ከምዝነበራ ኣተንቢሆም ኣለዉ።
2.ቅድሚ ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ምስሓቦም፡ ህግደፍ ኣብ ደንካሊያ ንጂቡቲ ዘዳዉብ መሪታት ድፋዕ ክኹዕት ቐንዩ።
ምፍሕፋሕ ምስ ጂቡቲ ገና መዕለቢ ከምዘይተገብረሉን፡ ስግኣት ህግደፍ፡ ሕ.መ.ኣ ከይትሕወሶ ሰጊኡ ከም ዝቐነየ እዮም ዝነግሩ፡ ሓበርትና።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ክሳብ ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ተንሳሕብ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ብወገን ጅቡቲ ድፋዓት ተመስሪቱ ከም ዝነበረ፡ ካብቲ ቦታ ዝመጹ ወተሃደራት ሓቢሮም። እቲ ድፋዕ ድማ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ከይገብር ተባሂሉ ከም ዝተነግሮም ሰሚዕና ኣለና።
ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ኣመሪካ ከይተረፈ ኲናት ክገብር ዘገደዶ ስርዓት ህግደፍ፡ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ መንእሰይ ኤርትራ ከጥፍኦ ተዳልዩ ከም ዘሎ ክግመት ይከኣል።
https://www.facebook.com/yiakil/posts/2908312502774932