ቐሺ ኤዛና
Posted: 18 Aug 2020, 03:30
ቐሺ ኤዛና ዝብልኹም ዲጂታል ፈላሲ
ቀደምስ ኔርኩም ቀዳሲ ወዳሲ
ቀደም ኔርኩም ናብ ቤተክርስትያን ገስጋሲ
እንተሎምን እሞ ኮይንኩም ወሓጢ ኮላሲ
ኡቱ ሰይጣን ኣዋሽ ዶ ረኺቡኩም ለጓሚ ዓብሳሲ
ዓሚ ፈላሲ ሎሚ በዓል ጋዕሲ
ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ይመስለና ኔሩ ወራሲ
ናይ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ይመስለና ኔሩ ወራሲ
እንተ ሎምን እሞ ኮይንኹም ፍፁም ከይሲ
ኣብ ክንዲ መደብ ኣልጋ መደቀሲ
ፍርናሽ ተጠቒምኩም ኣብ ክንዲ ማእሲ
መን ረኸበኩም ፀያዊ ፈዋሲ
ኡቱ ሰይጣን ኣዋሽ ዶ ደየበኩም ካብ እግሪ ናብ ርእሲ
ፆም ኮነ ስዕረት ድራርኩም ጥብሲ
ቀትሪ ምሳሕኩም ፃዕዳ ጣፍ ምስ ስልሲ
ንጉሆ ቁርስኹም ሓውሲ
ኣብ ክንዲ ፀሎት ምሸት ምሸት ባእሲ
ኣብ ክንዲ ዳዊት ምሕዳርኩም ኣብ ዳንሲ
ፈላሲስ ንህዝቡ ይምህር ይጓሲ
ፈላሲ ዶ ይዓብድ ምድሪ እንክመሲ
ፈንቅል እኮ ኣሎ እዩ ቦንቃሪ ደምሳሲ
ገሃንም እኮ ኣላ ዘይተናሕሲ
ክርስቶስ እኮ ኣሎ ፈራዲ ከሳሲ
እንተረኺብኩም ገሳፂ ወቓሲ
እንካብ ስጋ ትሕሸኩም ነብሲ
ናብ ንስሓ ግበሩ መልሲ
ንስሓ እዩ መድሓኒት ኣባሲ
Courtesy of Cowboy Humera

ቀደምስ ኔርኩም ቀዳሲ ወዳሲ
ቀደም ኔርኩም ናብ ቤተክርስትያን ገስጋሲ
እንተሎምን እሞ ኮይንኩም ወሓጢ ኮላሲ
ኡቱ ሰይጣን ኣዋሽ ዶ ረኺቡኩም ለጓሚ ዓብሳሲ
ዓሚ ፈላሲ ሎሚ በዓል ጋዕሲ
ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ይመስለና ኔሩ ወራሲ
ናይ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ይመስለና ኔሩ ወራሲ
እንተ ሎምን እሞ ኮይንኹም ፍፁም ከይሲ
ኣብ ክንዲ መደብ ኣልጋ መደቀሲ
ፍርናሽ ተጠቒምኩም ኣብ ክንዲ ማእሲ
መን ረኸበኩም ፀያዊ ፈዋሲ
ኡቱ ሰይጣን ኣዋሽ ዶ ደየበኩም ካብ እግሪ ናብ ርእሲ
ፆም ኮነ ስዕረት ድራርኩም ጥብሲ
ቀትሪ ምሳሕኩም ፃዕዳ ጣፍ ምስ ስልሲ
ንጉሆ ቁርስኹም ሓውሲ
ኣብ ክንዲ ፀሎት ምሸት ምሸት ባእሲ
ኣብ ክንዲ ዳዊት ምሕዳርኩም ኣብ ዳንሲ
ፈላሲስ ንህዝቡ ይምህር ይጓሲ
ፈላሲ ዶ ይዓብድ ምድሪ እንክመሲ
ፈንቅል እኮ ኣሎ እዩ ቦንቃሪ ደምሳሲ
ገሃንም እኮ ኣላ ዘይተናሕሲ
ክርስቶስ እኮ ኣሎ ፈራዲ ከሳሲ
እንተረኺብኩም ገሳፂ ወቓሲ
እንካብ ስጋ ትሕሸኩም ነብሲ
ናብ ንስሓ ግበሩ መልሲ
ንስሓ እዩ መድሓኒት ኣባሲ
Courtesy of Cowboy Humera