ኢጣልያ፣ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት ትምህርታ ከይዕጾ ክትከላኸል፣ ኣባላት ፓርላማ ሓቲቶም
Posted: 02 Jul 2020, 08:06
Radio Erena: 02 July 2020
ኢጣልያ፣ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት ትምህርታ ከይዕጾ ክትከላኸል፣ ዝተፈላለዩ ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ሓቱቶም።
ሓደ ካብቶም ኣባላት ፓርላማ፣ ኣባል ሰልፊ ቪቫ ኢጣልያ፣ ኒኮላ ካራ፣ ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሉዊጂ ዲ ማዮ ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ድሕሪ ምእዛዙ፣ ኣብ ኣስመራ ንእትርከብ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ፍቓድ ስርሓ ከተረክብ ከምዝሓተተ ኣመልኪቱ።
ንሱ፣ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተላእከ’ዩ ዝበሎ ደብዳቤ፣ ነታ ቤት ትምህርቲ ንምህጋር ዝዓለም ምዃኑ ኣንፊቱ።
ብፍላይ ነቶም ናይ ኤርትራ ዜግነት ዘለዎም ተማሃሮ እታ ቤት ትምህርቲ፣ ናይ ካልኣይ ሰሚስተር ፈተና ከይገብሩ ዝኽእል መምርሒ ተዋሂቡ ኣሎ።
መንግስቲ ኤርትራ ነዚ መምርሒ ዘሕልፍ ዘሎ፣ ብሰንኮ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ቀስ ብቀስ ክጅምራ ምዃነን ድሕሪ ዘውጽኦ መምርሒ’ዩ።
ኣብ 1935፣ ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተት ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ ካብ መውዓሊ ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዘጠቓለለ ስርዓተ ምምሃርን ምስትምሃርን ከምእትህብ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣቕዲሙ፣ ብሃይማኖታውያን ትካላት ክመሃደራ ዝጸንሓ ኣብያት ትምህርቲ ከምዝሃገረ ይፍለጥ።
እቲ መንግስቲ፣ ንህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ብምድኻም፣ መማህራነንን ተማሃሮአንን ናብ ስደት ከምዝውሕዙ ጌሩ’ዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፣ ናብተን ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣቛሚቱ ይርከብ።