ተጋሩ ንከባበር!! ስነ ስርዓት ግበሩ!! ስነ ስርዓት ግበሩ!! ስነ ስርዓት ግበሩ!!!
Posted: 18 Apr 2020, 23:59
ስምዑ ተጋሩ!!
መንነት እንታይ እዩ? ናታትኩም መንነት ከ እንታይ እዩ?
እምበኣር ከስ መንነት ብዙሕ ትርጉም እኳ እንተሃለዎ ልሳን ግን እቲ ዝዓበየ ዓንዲ ሑቐ ናይ መንነት እዩ!!
እስኪ ክሓተኩም መናእሰይ ተጋሩ!
እቲ እትዛረቡዎ ልሳን እንታይ ይብሃል? ትግርኛ ከምዘይኮነ ግን ኣንዳዕዲዐ ይነግረኩም!!
ንስኻትኩም ትግርኛ ኣይኮንኩምን ትዛረቡ ዘለኹም::
ነየናይ መንነት ተባሂሉ ደኣ እዩ ምስ ፀረ-መንነትና ዝኾኑ ሓይልታት ንቃለስ ኣለና ትብሉ ዘለኹም?
ነየናይ መንነት??
ነቲ ትግራዋይ መንነት ቋንቋ ትግርኛ እንድሕር ዘይትዛረብ ከመይ ጌርካ ትግራዋይ ክትከውን?? በየናይ መለክዒ??
ንትግርኛ እኮ ብመዝረ ኣምሓርኛ ቀቲልኩምዋ ኢኹም!! እቲ ትግርኛ እናመሰለኩም ትዛረቡዎ ዘለኹም ልሳን ፍፁም ትግርኛ ኣይኮነን!! ወለድና ቀደም ካብ ጫፍ ሑመራ ክሳዕ ራያ ካብ ደብረ ናግራን ሳሕል ክሳዕ ሰቖጣ በቢዓይነቱ ድምፀት ዘለዎ ፅሩይን ፅፁይን ትግርኛ ዛረቡ ኔሮም!! ንስኻትኩም ከ??
ደጊመ ክሓተኩም!! ነየናይ መንነት ኢኹም ትቃለሱ ዘለኹም?? ንመሽረፈት ትፀልእዎ ትኾኑ:: መሽረፈት ግን ካባኹም ንላዕሊ ሕልፍን ዕፅፍን ትግርኛ ከምዝዛረብ ተስተውዕልሉ ዶ ኣለኹም??
ከምቲ ኣቶ ዳዊት ዝበሎ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ንልሳን መሰረት ዝገበረ ሓዱሽ ምኽላል እንተዝካየድ ፍርቂ ትግራዋይን ትግራይን ናብ ኣምሓራ ምተኸለለ!!
ምስ ህግደፋውያን ክከራኸር ከለኹ ኣብ ኩሉ ይረትዖም እየ:: በዛ ኣብ መንእሰይ ትግራይ ዘላ ትግርኛ ክትዕ እንተጀሚሮሙለይ ግን ኣፈይ እየ ዝሕዝ!! ግሁድ ሓቂ ስለዝኾነ!!
ኣገባብ ንግበር!! እንታይ ጌሩና ነዚ ምዕሩግን ሃፍታምን ልሳንና ንቐትሎ ኣለና!! ንመፃእቲ ወለዶታት ኣየናይ ልሳን ክነረክቦም???