ኣረጋሽ ኣዳነ፣ ኣብ 1978 ( 1970 ዓ.ም ግእዝ) ኣብ መደበር ታዕሊም ብሌቓት ሳሕል፣ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተዓሊም ካብ ዝወሰዳ 17 ናይ ፈለማ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ተሓህት (ዳሕራይ ህወሓት ዝኾነ) ተጋሩ ሓንቲ እያ ኔራ።
ኣረጋሽ ኣዳነ፣ አብ እዋን ገድሊ ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ክፍለ ህዝቢ ተመዲባ ህዝቢ ኣብ ምንቃሕን ምውዳብን መሪሕ ተራ ዝነበራን ከምኡ እውን ናይ ፈለማ ጓል ኣንስተይቲ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኮይና ዝተመርጸት እያ።
ኣብ ትሕቲ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ጥሩነህ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይና ክትነጥፋ ዝጸንሐትን ኣብ እዋን ናይ 1992 ዓም.ግእዝ ምክፍፋል ህወሓት ኣንጃ ተባሂላ ካብ'ቲ ውድብ ዝተሰጎገትን እያ።
ብድሕሪ ምስጓጓ ድማ ምስ በዓል ገብሩ ኣስራት ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ውድብ ዓረና ኮይና ክትንጥፍ ዝጸንሐት እያ።
ኣረጋሽ ኣዳነ ፍሉይ ናይ ወደብን ባሕርን ህርፋን ዘለዋን "ኣውነኣረጋዊ ኣቦይ ባሕሪ እንተየርኣኻ ኣይትቕተለኒ" ኢላ ትምህለል እያ።
ኣንቱም ሰባት፣ ኣነሲ እንታይ ምበልኩ !?
ነዞም ባሕሪ ባሕሪ ኢሎም ክሞቱ ዝደለዩ ወየንቲ ተጋሩ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣውቶቡስ ጌሩ ጉርጉሱም ወሲዱ ሳልስቲ ከምዝሕንብሱን ብድሕሪኡ ድማ ማይውዕይ ክልተ ሸውዓተ አሕጺቡ እንተዝመልሶም ካብ'ቲ ሒዝዎም ዘሎ ጎንፊ ናይ ባሕሪ ምተናገፉ እብል !

