Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
-
Abe Abraham
- Senior Member
- Posts: 14414
- Joined: 05 Jun 2013, 13:00
Post
by Abe Abraham » 15 Dec 2019, 16:33
ድሕሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣልጀርያ ዓብዱልመጂድ ተቡን ተዓዋቲ ኮይኑ ምስ ወጽአ መንግስቲ ፈረንሳ ብማክሮ ጌሩ ኣብ ክንዲ ከምቲ ልሙድ ብቐዳምነት ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ዘማሓላልፍ ኣብ ከም ትእዛዝ ዝመስል ምኽሪ ( ምስ ኣብ ሃገር ዘለዉ ሓይልታት ኣብ ዘተ ክትኣትዉ ኣለኩም ) ምሃብ ኣትዩ ። እቲ ሓዲሽ ረኢስ ኣልጀርያ " ንማክሮ ትህብዎ መልሲ ኣለኩም ዶ ? " ተባሂሉ ምስ ተሓተተ " ንሕና መልሲ ኣይንህበሉን ። ማክሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ክገብር ኣለዎ ። ኣነ ህዝቢ ኣልጀርያ እዩ መሪጹኒ ንህዝቢ ኣልጀርያ ጥራሕ ድማ እየ ተፈላጥነት (ኢዕቲራፍ ) ዝህበሉ ። " ኢሉ ብቑጠዐ መልሲ ሂቡ ።