Halafi Mengedi: ትግራይ እንተተምበርኪኻ ኣብ ማእኸል ዓዲ ዘሎ ሃፍቶም ውሕስና ዝረክብ፣ ተኸቢሮም ዝነብሩ ዝመስሎም ሰብ-ቕርሺ ኣለዉ።
Posted: 27 Nov 2019, 18:19
saveAdna wrote:
ኣብዚ ኩሉ ኸይዲ ክልተ ነገራት እዮም ዝርኣዩ ዘለዉ ፣
-ብሓደ ወገን ትግራይ ኢዳ እንተሂባ፣ ትግራይ እንተተምበርኪኻ ኣብ ማእኸል ዓዲ ዘሎ ሃፍቶም ውሕስና ዝረክብ፣ ተኸቢሮም ዝነብሩ ዝመስሎም ሰብ-ቕርሺ ኣለዉ። እዚኦም ትግራይ ጠንኪራ ስዒራ እንተወፅያ ዘይኮነስ ትግራይ ተምበርኪኻ ኣብ እግሪ ደርጋውያን እንተወዲቓ ናይ ንብረቶምን ሂወቶምን ውሕስና ዝረጋገፅ ዝመስሎም፣ ብዛዕባ ታሪኽ፣ ብዛዕባ መንነትን ድሌትን ዝገጠሙና ፀላእቲ ዝኾነ ግንዛበ ዘይብሎም ሰብ-ቕርሺ ኣለዉ፣ እዚኦም ካብቲ ዕሽነቶም ብተወሳኺ ዕሉል ዓርሰ-ፍትወት፣ ስስዐ፣ ንዓርስኻ(ንኸሽዐኻ) ቕድሚ ዓዲን ህዝቢን ናይ ምስራዕ ሕማም እውን ይረኣዮም።
- ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ለኣኺ ኣሎ፣ ንሱ ካብዚ "ሽምግልና" ዝደልዮ ሓደ ዓብዪ ነገር ኣሎ፣ መቸም "በዚ ሽምግልና ገይረ ኢድ ዝደለኹዎ ክጥምዝዝ፣ ንትግራይ ኣገዲደ ከምበርክኽ" ኢሉ ዝኣምን ዓሻ እዩ ኢለ ኣይኣምንን። ኮይኑ ግን ሓደ ዓብዪ ነገር ከሳኽዕ ክምነ ይኽእል እዩ(ብሓቂ ድማ ብኣጋ እንተዘይነቒሕናሉ ከምዝተመነዮ ክንኾነሉ ንኽእል ኢና) ፣ ንሱ እውን ሕብረትና ብምሽርሻርን ኣብ ሞንጎና ምጥርጥራት ብምፍጣርን ኣንፈት እቲ ግርጭት(Axis of confrontation) ናብ ሞንጎና ምዛር። እዚ ዓብዪ ውፅኢት፣ ዓብዪ ዓወት እዩ። ንገሌና ሸምገልቲ፣ ንገሌና ተሸምገልቲ ፣ ንገሌና ደለይቲ ሰላም፣ ንገሌና ደለይቲ ነገር ኣምሲሉ ነንሕድሕድና ክንናቖት ምግባር ቀሊል ነገር ኣይኮነን።
እቲ ናተይ ሰኸፈት እዚ ሰብ ነገራት ብዝደለዮ መንገዲ እንተዘይኸይድሉ(ከምዘይኸደሉ እውን ይፈልጦ እዩ) ኣብ መወዳእታ ነዞም ሰብ ሃፍቲ ወገናትና "ሃፍትኹም ውሕስነት ክረክብን ክትግፈፉን ዝውሰን ብግብረ-መልሲ ትግራይ እዩ፣ ኢዳ እንተሂባ ሃፍቲ እውን ክውስኸልኩም እየ፣ እንተሓንጊዳ ግን ሃፍትኹም ክወርሶን ክኣስረኩምን እየ፣ ንትግራይ ኬድኩም ኣእምኑዋ" ከይብሎም፣ ኣብ መወዳእታ ዘለዎም ኩሉ ኣሕዲጉ፣ ኣሲሩ "ኣነማ ክገድፈኩም፣ ክሕግዘኩም እውን ኢለ ነይረ እየ፣ ትግራይ እያ ክትውቅዑ ትገብረኩም ዘላ" ዝብል ነገር ክመፅእን ኣብ ሞንጎና ሓጓፋት ክፍጠሩን እውን ክስራሕ ይኽእል እዩ።
ነዚ ምስትውዓል የድሊ።