ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ፣ ንኤርትራ ወኪሉ ዝተሳተፈ ጋዜጠኛ ክብርኣብ ተስፋሚካኤል ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፉ
Posted: 06 Sep 2019, 01:36
Radio Erena: 05 September 2019
ካብ 19 ክሳብ 31 ነሓሰ ኣብ ሞሮኮ፣ ከተማ ራባት፣ ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ፣ ንኤርትራ ወኪሉ ዝተሳተፈ ጋዜጠኛ ክብርኣብ ተስፋሚካኤል፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብ ካልእ ሃገር ኣምሪሑ።
ሓደ ካብ ምኩራት መንእሰያት ጋዜጠኛታት ስፖርት፣ ክብርኣብ ተስፋሚካኤል ዝርከቦም ንኤርትራ ዝወከሉ ስፖርተኛታት ካብቲ ግጥማት ዝኻየደሉ ዝነበረ ቁሸት ስፖርት ከይወጽኡ ምክትታል ይግበረሎም ኔሩ።
እንተኾነ፣ ጋዜጠኛ ክብርኣብ ተስፋሚካኤል፣ ካብታ ጉጅለ ሃዲሙ፣ ናብ ካልእ ሃገር ክበጽሕ ከምዝኸኣለ ምንጭታት ኤረና ኣረጋጊጾም።
ነታ ካብ ኤርትራ ዝተበገሰት ጉጅለ ዝጠርነፈ፣ ናይ ኮለነል ማዕረግ ዘለዎ፣ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ስፖርታዊ ጉዳያት፣ ንፖሊስ ሞሮኮ እኳ እንተሓበረ፣ ፖሊስ እታ ሃገር ግና እቲ ኤርቲራዊ ጋዜጠኛ፣ ብመንገዲ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝወጸ’ዩ ኣረጋጊጽሉ።
ኤርትራ፣ ኣብቲ ንክልተ ሰሙን ዝቐጸል ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ፣ ብሽዱሽተ ዓይነታት ስፖርት ማለት፣ ቅድድም ብሽክለታ፣ ኣትለቲክስ፣ ባድመንተን፣ ሰደቓ ቴኒስ፣ ምሕምባስን ቸዝን’ያ ተሳቲፋ።
ጋዜጠኛ ክብርኣብ ተስፋሚካኤል ድማ ብዛዕባ’ዚ ጸብጻባት ከዳሉ’ዩ ምስታ ጉጅለ ካብ ሚኒስትሪ ዜና ተላኢኹ።
https://erena.org/ኣብ-ሞሮኮ-ኣብ-ዝተኻየደ-ግጥማት-መላእ-ኣፍ/