ዶክተር ሳላሕ ጉዳ ፡ ምስራዊ ናይ ስነ-ቁጠባ ምሁር ፡ ኣብ ቲቪ ወጺኡ ክዛረብ እንከሎ ኩሉ ግዜ ንናይ ሞያ መዘንኡ ዶክተር ገብረ የዘክረኒ ኔሩ ።
ዶክተር ሳላሕ ምስሪ ብቁጠባ ከመይ ጌራ ክትድንፍዕ ትኽእል ዝብል ኣርእስቲ ከልዕል እንከሎ " መንግስቲ ዘየድሊ ወጻኢታት ብምጉዳልን ምስራዝን ክቁጥብ ክኽእል ኣለዎ ። ንኣብነት ዋላ ሓንቲ ዘይድልዩና ግን ከኣ ደሞዝ ዝኽፈሉ ' ኹበራእ ' /ኤክስፐርትስ ተባሂሎም ንመንግስቲ ዘማኽሩ ኣለዉና ። እቲ " ፍሉይ ፍልጠት " ናቶም ኣብ ምንታይ ዝተሞርከሰ እዩ ? ንሕና ዋላ መርፍእ ዘይንሰርሕ እንከሎና እቶም ኣማኸርቲ ዝበሃሉ ንምንታይ የድልዩና ። ነዚኦም ክኖግድሎም ክንክእል ኣሎና ። ካልእ ኣብ ሓንቲ ካብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዘይበዝሑ ምስራውያን ዘለዋን ምስኣ ድማ ዋላ ሓንቲ ቁጠባዊ ምትእስሳር ዘይብልና ደቡብ ኣሜርካዊት ሃገር ኤምባሲ ከፊትና ንርከብ ። እዚ ዘየድሊ ገንዘብ ምጥፋእ ስለ ዝኾነ ብቑልጡፍ መፍትሔ ክንገብረሉ ኣሎና ። " እንዳበለ ንመንግስቱን ንህዝቡን ይመክር ኔሩ ።
ሓደ መዓልቲ ዶክተር ጉዳ ኣሎ እንዳ ተባህለ ነዛ ናይ ኽስዖይ ዓለም ገዲፍዋ ከይዱ ። ሓያሎ ሰባት ሞት ናይ እዚ ደሙ ፉሕ-ፉሕ ዝብል ምሁር ስለ ዘደንጸዎም '' ናብ ብዙሓት ሰባት ጥቕሚ ስለ ዝተንከፈ ቀቲሎሞ ዶ ይኾኑ ? " ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ተገዲዶም ። ምስ ዕረፍቲ ዶክተር ጉዳ ሓውና ዶክተር ገብረ ድማ ተኸቲሉ ከይተፋነወና ተዓዚሩ ። ሞት ትመጽእ ከመ ሰራቒ ኮይኑ ነገራቱ ። እቲ ዘሕዝን ዶክተር ገብረ ዝተንከፎ ዘይብሉ ባዕሉ እዩ ርእሰ-ቅትለት ፈጺሙ ። " ኢንቲሓር " ይብልዎ ዓረብ ። ካብ መጀመርያ ደድሕሪ ነፍስ-ሄር ወዲ ቫካሮ ሎኽ-ሎኽ ምባልን ዳሕራይ ድማ ኣብ ጸልማት ኰንካ " ዝኾነ ትግራዋይ ኣስላማይ ትግራዋይ ኣስላማይ እየ ኢሉ ኣብ ወረቐቱ ከጽሕፍ መሰሉ እዩ ።/ መሰሉስ መሰሉ ምዃኑ ኩሉ ይኣምነሉ ግን እቲ መሰሉ ኣብ ዘይዓዱ ኮይኑ ክሓትት መሰል የብሉን እዩ እቲ ቁም-ነገሩ !! / " ዝብል ቃላት ምውጻእን ዝኸፍእ ርእሰ-ቅትለትን ሕስረትን እንታይ ኣሎ ?
R.I.P Dr Gebre.
