ምስ ለባማት ምልዛብ: ጥዑም እንድዩ መቸም::
እቲ ዝበልካዮ ብመሰረቱ ቅኑዕ ኮይኑ: እዚ ጉዳይ እዚ ግን ከም ምዕራባዉያን ዝብልዎ: "extraordinary circumstances" ምዃኑ ትስሕቶ አይመስለንን::
አቶ ዓንደብርሃንን አቶ ሰንጋልን ተአመንቲ ዝገብሮም አብዛ አርእስቲ እዚአ: ተቓወምቲ ናይቲ መንግስቲ ምዃኖምን: ብሕልፊ ሰንጋል ሓዉ ንሃይለ ምዃኑን ኢዩ::
ከምትፈልጦ ድማ: ክልተ ዓይነት ምስክርነት አሎ::
እቲ ንስኻ ዝሓተትካዮ ካብ አፎም (Direct Evidence): እቲ ካልአይ ድማ ናይዞም ክልተ ሰባት (Circumstantial Evidence):: ክልቲአቶም: ነቲ መንግስቲ ጠበቓታቱ ምዃን ድሌት ከምዘይብሎም: ፍሉጥ ኢዩ:: አብ ታሪኽ ኤርትራ'ዉን ክንደይ ዝኸሓደን ዝጠለመን ከምዘሎ: ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ:: ትማሊ ትማሊ'ኳ ንመቐለን ሃዋሳን ክገሹ ርኢና ኢና:: ስለዚ ስለምንታይ'ዚ ክሲ ናይዞም ሰባት: ከም ሓደ ክኸዉን ዘይክእል ነገር ይዉሰድ? ከምኡ'ዉን አየናይ ጽላለ አጥቂዑዎ ኢዩ እቲ መንግስቲ: አብ ጽንኩር ናይ ህላዌን ዘይህላዉየን ናይ ኲናት ጊዜ ፈተና: ክሳብ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ዝአኽሉ ሰባት ዝአስር?
ወያነን አመሪካን'ከ ካብ ከምኡ ጸወታታት: ድሕር ይብላዶ?
ክልተ ፍሉጣት አሃዱዳት አለዋ: አብ ኤርትራ:: ደገፍትን ተቓወምትን: መንግስቲ:: እቲ ዝበዝሐ ግን: ሃገሩ ዝፈቱ "silent majority" ኢዩ:: አነ አብዚ ዝፍትኖ ዘለኹ ንብዙሓት'ኳ ከም ሓደ ዓቢ ሓሶት የስሕቖም እንተኾነ: ከም አባል እቲ silent majority ኮይነ ኢየ:: እዚ forum: ናይ privilege of anonymity ስለዝህበካ'ምበር: ዓዉ ኢለ ክዛረበሉ ዝመርጽ አርእስቲ አይኮነን::
እዞም ሰበስልጣን'ከ ብ neutral ዓይኒ እንተርኢኻዮምን: መንፈስካ እንተሓቲትካን: ዝሕስዉ ዘለዉ ይመስል?
አብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ: ምምጻእ መንግስቲ Trumpን ዉድቀት ወያነን: ሓድሽ ሃዋሁዉ ፈጢሩ ስለዘሎ: እቲ ክስታት ይኹን ኩነታቶም ጋህዲ እንተገበሮ: ምእንቲ እቲ silent majority ጽቡቕ'ዩ ይብል::
እቶም ምግዓር ዝፈትዉ: ክቕጽሉዎ ኢዮም ዝገበረ እንተገበረ እቲ መንግስቲ ብዘየገድስ:: ናይ ስልጣን ህርፋን: ስለዝኾነ ሕማሞም::