ኣብ ሱዳን ሰሜን ዳርፉር ስትራቴጅክ ድሮን ሎማዓንቲ ተሓምሺሻ።
ኣብ ዳርፉር ብፀረ ኣየር ሓይልታት ሱዳን ዝወደቀት ድሮን CH 95 ዝዓይነታ ስርሒት ቻይና እያ።
ሚድያ ብሉ ናይል ቴሌቪዥን ንወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ፀሪሑ ኣብዘቅረቦ ፀብፃብ ሎማዓንቲ ንግሆ ድሮን ከምዝወደቀት ሓቢሩ ኣሎ።
ብኻልእ ዜና፦ ክልተ ጀነራላት ሒሚቲ ኣብ ክልል ብሉ ናይል ብመጥቃዐቲ ድሮን ተቀቲሎም እዮም።
ክልቲኦም ጀነራላት ካብ ሱዑዱ ብኣዲስኣበባ ቀፂሉ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ገይሮም እዮም ናብ ሱዳን ግዝኣት ብሉ ናይል ኣትዮም።
ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ድማ ሰራዊት ሱዳን ብዝወሰዶ ዝተፀንዐ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተቀተሉ ተረጋጊፁ ኣሎ።
