




ply
Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን
6h ·
‘‘ጽምዶ‘‘፥ ከም በላሕ መስማር ንፍሕኛ ዉጥኖም ብሃንደበት ዝበስዐት ምስጢራዊት ኣጀንዳ!!
---
ጽምዶ ሰላም ዘባህረሮም መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ፣ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ልኡኻቶም ናብ ከተማ ሽረ ከዉሕዙ ዉዒሎም ኣለዉ። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጲያ ኤርቪን ማሲንጋ፣ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ርክብ ከም ዘካየደን ብዛዕባ ርክብ ትግራይን ኤርትራን ወግዓዊ መብርሂ ክወሓቦ ከም ዝሓተተን ጸብጻባት ሓቢሮም።
ከም ዝፍለጥ ጸለዉቲ ዝበሃሉ ኣክቲቪስት ትግራይ፣ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይዱ ጸኒሖም'ዮም። ብዘይካ'ዚ መራሕቲ ኤርትራን ትግራይን'ዉን ናብ ሰላም ጸሚዶም ምህላዎም ዳርጋ ብወግዒ ክነግሩ ምጽንሖም ዝሕባእ ኣይኮነን። ንኤርትራን ትግራይን ናብ ኩናት ኣእቲኻ ክጽወት ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ ክፋእ ዉጥን፣ ንልዕሊ 2 ዓመታት ብዝወሰደ ከቢድ ናይ ዲፕሎማሲ ጻዕሪ ምሉእ ብምሉእ ፈሺሉ፣ ሎሚ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ዳግም ናብ ኩናት ከም ዘይኣትዉ ተረጋጊጹ፣ ኣንፈቶም ናብ መንገዲ ሰላም ኣቢሉ ይርከብ።
ብዘይካ'ዚ ትግራዋይ ኣክቲቪስት ስታሊን ገብረስላሴ፣ ናብ ከተማ ኣስመራ ኣትዩ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ርክባት የካይድ ምህላዉ ተሓቢሩ'ሎ። ከም ዝፍለጥ ስታሊን ገብረስላሴ ምስ ኤርትራዊ ኣክቲቪስት ኣወል ስዒድ ኣብ ፖለቲካ ሓቢሮም ክሰርሑ ተበጊሶም ምህላዎም ክሕብር ጸኒሑ'ዩ። ስታሊን ገብረስላሴ ኣብ ጽንብል 24 ግንቦት ክሳተፍ ሙዃኑ'ዉን ይሕበር ኣሎ። በዚ ዝዓበዱ ኣክቲቪስት ብልጽግናን ተኸፈልቶምን፣ ዳርጋ ዝሕዙዎን ዝጭብጥዎን ጠፊእዎም፣ ኣብ ዕብድብድ ኣትዮም ኣለዉ።
ጽምዶ ሰላም ኤርትራን ትግራይን ብፍጥነት ንቕድሚት ይሕንበበሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ምዕራባዊያን ሃገራት፣ ኣብ 4ኪሎ ዘሎ ህጻን ቆልዓ ኣብ ጠርጦስ ኣትዩ ምህላዉ ዘስተብሃሉ ይመስሉ። ምንጭታትና ይሕብሩዎ ከም ዘለዉ'ዉን፣ ትግራይ ኣንፈታ ንሰሜን ኣቢሉ መስመራት ትኸፍት ምህላዋ'ዩ ዝንገር ዘሎ። በዚ ድማ ኣሰላልፋ ሓይልታት ዞባና ካብ ቁጽጽር ምዕራባዊያን ወጻኢ ይኸይድ ኣሎ ክበሃል ይከኣል።
1/ ትግራይን ህወሓትን political leverage ኣኻዕቢቶም፣ ኣብ ልዕሊ ኣዉሓስቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ጸቕጥታት ክፈጥሩ ምኽኣሎም፣ ንመራሕቲ ብልጽግና ድቃስ ከሊኡ ይርከብ።
2/ ኤርትራ'ዉን ምስ ትግራይ እትፈጥሮ ዘላ ጽምዶ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸቕጥታት ክገብር ህርዲግ ክብል ዝጸንሐ ሓይሊ ብልጽግና፣ ካልእ political dilemmas ክትፈጥረሉ ክኢላ ኣላ።
እምበኣርከስ በዚ ኣሰላልፋ ‘‘ግር‘‘ ዝበሎም ሓይልታት፣ ክገብሩዎ ዝኽእሉ ብዙሕ ከም ዘይኮነ ስለ ዝተረድኦም፣ ምስ'ታ ክብትኑዋ ህርዲግ ክብሉ ዝጸንሑ ህወሓት ኣብ ጠረቤዛ ክቕመጡ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብ'ዚ ከይተዓግቱ፣ ርክባት ኤርትራን ትግራይን ንምጽራይ፣ ሓይልታት ምዕራብ ብሳትላይት (satellite) ንዶባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ክጸናጸኑ ይዉዕሉ ኣለዉ። ኣብ 4ኪሎ ዘሎ ጉጅለ ብልጽግና'ዉን፣ ኩነታት ትግራይ ካብ ቁጽጽሩ ይወጽእ ምህላዉ ድሮ ተገንዚብዎ ብምህላዉ፣ ሸምገልቲ ኣብ ምዉፋር ይርከብ። ‘‘ጽምዶ‘‘፥ ከም በላሕ መስማር ንፍሕኛ ዉጥኖም ብሃንደበት ዝበስዐት ምስጢራዊት ኣጀንዳ!!