Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14414
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

ግብጻዊ ሉጥፊ ዘከሪያ ፥ ኤርትራ ብተፈጥሮ ሃብታምን ስትራተጂያዊትን ኣገዳሲትን ሃገር ኢያ ። ጸዓዱ ንብድሮናት ዝቐጥቀጠ ገዲፎም ብትግራይ ምስ ኤርትራ ኮሪና ክብሉ ኣየምሕረሎምን እዩ። ....

Post by Abe Abraham » 18 Aug 2023, 12:02

ግብጻዊ ሉጥፊ ዘከሪያ ፥


1_ኤርትራ ብተፈጥሮ ሃብታምን ስትራተጂያዊትን ኣገዳሲትን ሃገር ኢያ ። ጸዓዱ ንብድሮናት ዝቐጥቀጠ ገዲፎም ብትግራይ ምስ ኤርትራ ኮሪና ክብሉ ኣየምሕረሎምን እዩ።

2_ኢትዮጵያ ሓደገኛ ሃገር ኢያ ። ወይ ምስ ነብሳ ትባኣስ ። ሰላም ረኺባ ምስ ነብሳ እንተ ዘይተባኢሳ ድማ ንከም በዓል ምስሪ ዝኣመሰላ ናይ ርሑቕን ቀረባን ጎረባብታ መከራ ትኸውን ።

3_ኣቢ ኣሕመድ ምስ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዓቢ ቦታ ዘለዎምን ብብዝሒ ህዝቢ ድማ ኣዝዩም ግዙፋት ዝኾኑ ኣምሓራ ኣብ ጎንጺ ብምእታዉ ዕብዳን ጥራሕ እዩ ክበሃል ዝከኣል ። ኣነ ከም'ዚ ባዕሉ መወዳእታኡ ዝጽውዕ ዘሎ እዩ ኮይኑ ዝረኣየኒ ።

4_ዋላ እኳ ኣቢ ንጎረባብቱ ክወርር እንተ ሓሰበ ንሓያል ኤርትራ ምስ በላሕቲ መራሕታ ፈጺሙ ኣይክእላን እዩ ፡ ጅቡቲ ፈረንሳ ስለ ዘላ ዘይሕሰብ እዩ ፡ ሕጂ ዝተረፈት ሶማሊላንድ ትኸውን !!