-
Abe Abraham
- Senior Member
- Posts: 14414
- Joined: 05 Jun 2013, 13:00
ቦታ ፥ ባር ኣኽሱም ኣብ ኣዲስ ኣበባ! ቀንዲ ተዋሳኣይ፥ ጁንታ ዝበሃል ቆልዓ
ሓደ ኣብ ባር ኣኽሱም መስተ ክሰትን ክዛናጋዕን ዝመጽአ ሰብኣይ ንጁንታ ዝስሙ ቆልዓ ናብቲ ባር ነንዝኣተወ ስብ ማለት ኤርትራዊ ይኹን ኣምሓራይ ወዲ ኦሮሞ ይኹን ካልእ ኢዱ ዓምዩኹ " ምሳይ ቢና ትገጥም ዶ ? " እንዳ በለ ክብድህ እንከሎ ይዕዘቦ እሞ ነታ ዋና ባር " መን 'ዩ እዚ ቖልዓ ? እንታይ ደኣዩ ዝገብር ዘሎ ? " ኢሉ ይሓታ ።
ንሳ ድማ " ኣዲኡ ጆን ትራቮልታ ኢላ ኢያ ኣጠሚቓቶ ንሕና ግን ኣሕጽር ኣቢልና ጁንታ ኢና ንብሎ ። ንእሽተ ስለ ዝኾነ እንታይ ይገብር ከም ዘሎን ትርጉም ናይ መዘናን ኣይፈልጥን እዩ ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ዝመጽእ ኣሜሪካዊ ብዶላር ሞቕሽሽ ሂብዎ ምስ ዝኸይድ ብዝያዳ ተራሳሲኑ ምስ መስትያት ከይተረፈ ኣብ ግጥም ይኣቱ ። ስለ ዝኾነ ኣነ ሓደ መዓልቲ ነብሱ ከይሃስን ገሊኦም ጠባዩ ቅጭ ምስ ኣምጸኣሎም ከየላድድዎን ስግኣት ኣሎኒ ። እንታይ ፈሊጠ ፡ ሓደ መዓልትስ ሕማቕ ከየርኣየና ኣይተርፍን 'ዩ ። " ኢላ መሊሳትሉ ።