Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
sesame
Member+
Posts: 8577
Joined: 28 Feb 2013, 17:55

ወዲ ጀነራል ወረደ

Post by sesame » 07 Jan 2022, 09:36

ወዲ ጀነራል ወረደ
ኣብ ናይ 5 ምልዮን ኣደራሽ ይነብር
ናይ ኣማእታት ኣሽሓት ማኪና ይዝውር
ኣብ ጎደናታት ኣፍ ልቡ መሊኡ ይጭድር
ኣብ ናይት ክላባት ክስዕስዕ ይሓድር::

ወዲ ዘይሓልፈላ ትግራወይቲ፡
ናብራ ናይ ዋና ዘይብሉ ከልቢ ይነብር
ዝብላዕ ስኢኑ፡ ብሑቕ ዘሚቱ ይምእርር
ከርቲቱ ከርቲቱ፡ ብድሮን ከም ቆሎ ይሓርር
ሬሱኡ ይድርበ: ቀባሪ ዘይብሉ ነዲኡ ዝነግር::