13 hrs ·
ካብ ኣይሰምዕን'የ ናብ ስምዑኒ.....
-----------
ኣብ ማይ-ጸብሪ ንወልቃይትን ሑመራን ክወርር ክእከብ ዝጸንሐ ሓይሊ ብ/ጄ ምግበይ ሃይለ፡ ፋሕ ፋሕ ብምባል ናብ ከባቢ ተከዘ ይሃድም ከም ዘሎ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ ማይ ጸብሪ ዝርከብ ብብ/ጀ ምግበይ ሃይለ ዝምራሕ ሰራዊት ትግራይ ትማሊ ኣብ ሰፊሕ ኣኼባ ተጸሚዱ ዉዒሉ'ሎ። እዚ ብስዕረት ሞራሉ ወዲቕዎ ዝርከብ እኽብካብ ሰራዊት'ዚ፡ ነቲ ኣኼባ ክመርሕ ዝመጸ ብ/ጀ ምግበይ ሃይለ ሓደ ክምለስ ዘይክእል ሕቶ ሓቲቱ'ሎ፦ "ትግራይ ዘይንምለስ"? እንተኾነ ከምቲ ኩልና ክንግምቶ እንኽእል ብ/ጀ ምግበር ሃይለ ዝሃቦም መልሲ ፍጹም ጋን ከእትዎም ብምኽኣሉ፡ ድሕሪ'ቲ ኣኼባ ብዉልቅን ብጉጅለን ተከዘ ሰሰጊሮም ክሃድሙ ጀሚሮም ይርከቡ። ኣብ ርእሲ'ዚ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጲያ፡ ብወገን ማይ ጸብሪ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክኸፍት ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ንወልቃይትን ሑመራን ክወርር ክዳሎ ዝጸንሐ ሓይሊ ብ/ጀ ምግበይ ሃይለ ፍጹም ተዳሂሉ ምዕይ ክብል ኣይከኣለን ዘሎ።
ብኻልእ ሸነኽ ላዕለዋይ መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ወልቃይትን ሑመራን ንምሓዝ ሰፊሕ ምድላዋት ክገብር ጸኒሑ'ሎ። ከምቲ ጸብጻባትና ዝሕብርዎ ዘለዉ፡ ጃንዳ ማለሊት ኣብ መላእ ትግራይ ንዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከይተረፈ ከካብ ትምህርቶምን መንበሪ ቤቶምን ብምግፋፍ ናብ ዝተፈላለዩ መደበራት ታዕሊም ከዉርዶም ቐንዪ ኣሎ። ልዕሊ ዕድመ ኣቦታት ዉን ከካብ ዝነብሩሉ ቐበሌታትን ወረዳታትን ተገፊፎም ናብ መደበራት ታዕሊም ከም ዝወርዱ ክገብር ከም ዝቐነየ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የነጽር። ከምቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ጃንዳ ማለሊት ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ) ዝገለጾ፡ ዕሱብ ሰራዊት ጃንዳ ማለሊት ሚለ ቖሪጹ ዓሰብ ክሕዝን ደብረብርሃን ሓሊፉ ድማ ኣዲስ ኣበባ ንምቁጽጻርን ዝነበሮ ጥሙሕ ምሉእ ብምሉእ ፈሺሉ'ዩ። ስለዚ ድማ'ዩ እቲ ብዶብ ሱዳን ኣቢልካ መስመር ምኽፋት ዝብል ካልኣይ ዉጥን ኣብ ግብሪ ንምዉዓል ምቅርራባት ክግበር ቐንዩ ዘሎ። እንተኾነ እቲ ድሮ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ክዋጋእ ጸኒሑ ፍጹም ተዳኺሙ ዘሎ ዕሱብ ሰራዊት ጃንዳ ማለሊት፡ እቲ ክመጽእ ዝኽእል ህልቂት ድሮ ግዲ ተፈሊጥዎ፡ ተበታቲኑ እግረይ ኣዉጽእኒ ብምባል ክሃድም ጀሚሩ ይርከብ።
ካብዚ ኣርእስቲ ከይወጻና ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጲያ ንግንባር ራያ ብምብራቕን ምዕራብን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከፊትሉ ብምህላዉ፡ እቲ ንመቐለ ክከላኸል ተባሂሉ ተረርቲ ድፋዓት ኣብ ኣላማጣ ኣዳልዪ ክጽበ ዝጸንሐ ሓይሊ ጃንዳ ማለሊት፡ ካብ ዕርድታቱ ብድሮናት እንዳ'ተዘብጠ ይበታተን ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣፈኛ ጃንዳ ማለሊት ኣቶ ጌታቾዉ ረዳ ኣብ ገጻት ናይ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጲያ ኣብ ኣላማጣ ንጹሃት ሰባት ከም ዝቐተለ ገሊጹ'ሎ። እንተኾነ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጲያ- ኣብ ኣላማጣ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ኣሃዱ ሜካ ጃንዳ ማለሊት ብድሮናት ይድምስሶ ምህላዉ'ዩ ተሓቢሩ ዘሎ።
ምቕናይ ጥራይ፡ ዉራይ እንዳ'መቐረ'ዩ ዘሎ።
