Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
simbe11
Member
Posts: 2087
Joined: 23 Feb 2013, 13:02
Location: Addis Ababa

Re: ትግራዋይነት፣ ሕሱር መንነት!

Post by simbe11 » 17 Dec 2021, 15:55

On this one I am with Meleket. How do we insult entire people for the doing of the stupid few. I have almost respect for the people of Tigray and I believe they are great.
With that being said, I couldn't understand their deafening silence throughout this senseless war. Only a handful of them talk about the atrocities committed by TPLF. That's not enough.

Kuasmeda
Member+
Posts: 6421
Joined: 26 Mar 2015, 08:47

Re: ትግራዋይነት፣ ሕሱር መንነት!

Post by Kuasmeda » 17 Dec 2021, 19:39

simbe11 wrote:
17 Dec 2021, 15:55
On this one I am with Meleket. How do we insult entire people for the doing of the stupid few. I have almost respect for the people of Tigray and I believe they are great.
With that being said, I couldn't understand their deafening silence throughout this senseless war. Only a handful of them talk about the atrocities committed by TPLF. That's not enough.

Digital Weyane
Member+
Posts: 9615
Joined: 19 Jun 2019, 21:45

Re: ትግራዋይነት፣ ሕሱር መንነት!

Post by Digital Weyane » 17 Dec 2021, 22:32

ኡቱ ጥንቲ ብጥቅምቲ ኩቡር ልነበረ ትግራዋይ መንነትና በዙይ ሎሚ ግዝየ አሸበርቲ ወያነ አሕሲሮምዎ፣ አህሲሶሞዎ፣ ርእስና አድኒንና ሀም ንነብር ገይሮሙና።

ትግራዋይ ኡቱ ናይ አቦታቱና ኡኖታቱ ማንነት አፅሊኡዎ ተገቲሩ ኤርትራዊ ተቓዋማይ ኡየ ክብል ኻው ዝጅምር እንሄ ዕስራይ ዓመታት አቑፂሩ።

ኡቱ ላህጃኡ አፅሊኡዎ ላይ ኤርትራውያን ላህጃ ትግርኛ ክማሃር ኤሪ ቲቪ ክርእይ ይውዕልን ይሓድርን።

ልውጪ ሃገር ክስደድ ኤርትራዊ ማንነት ይጥቀም።

ኻወይ ሃገር እይካ ቢሎም ብዝጥይቕዎ ኻምቱይ ሓዋርያ ቤጥሮስ ልጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ሰለስተ ግዝየ አይፈልጦን ኡየ ኢሉ ዝከሓደ ትግራዋይ ማንነቱ ክሒዱ ተገቲሩ ኤርትራዊ ተቓዋማይ ኡየ ይብል።

ኻምዚአ ኡያ ኡታ ጨዋታ። :cry: :cry: :cry:

wegri
Member
Posts: 913
Joined: 23 Feb 2013, 05:49

Re: ትግራዋይነት፣ ሕሱር መንነት!

Post by wegri » 18 Dec 2021, 02:35

Digital Weyane wrote:
17 Dec 2021, 22:32
ኡቱ ጥንቲ ብጥቅምቲ ኩቡር ልነበረ ትግራዋይ መንነትና በዙይ ሎሚ ግዝየ አሸበርቲ ወያነ አሕሲሮምዎ፣ አህሲሶሞዎ፣ ርእስና አድኒንና ሀም ንነብር ገይሮሙና።

ትግራዋይ ኡቱ ናይ አቦታቱና ኡኖታቱ ማንነት አፅሊኡዎ ተገቲሩ ኤርትራዊ ተቓዋማይ ኡየ ክብል ኻው ዝጅምር እንሄ ዕስራይ ዓመታት አቑፂሩ።

ኡቱ ላህጃኡ አፅሊኡዎ ላይ ኤርትራውያን ላህጃ ትግርኛ ክማሃር ኤሪ ቲቪ ክርእይ ይውዕልን ይሓድርን።

ልውጪ ሃገር ክስደድ ኤርትራዊ ማንነት ይጥቀም።

ኻወይ ሃገር እይካ ቢሎም ብዝጥይቕዎ ኻምቱይ ሓዋርያ ቤጥሮስ ልጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ሰለስተ ግዝየ አይፈልጦን ኡየ ኢሉ ዝከሓደ ትግራዋይ ማንነቱ ክሒዱ ተገቲሩ ኤርትራዊ ተቓዋማይ ኡየ ይብል።

ኻምዚአ ኡያ ኡታ ጨዋታ። :cry: :cry: :cry:
Digital Weyane,

ዋይ ዋይ ክንደይ ትሓስም፡ ኣይተ መለኸት ተናዲዶም እዮም ዝንኤዉ፡ ምሽጢሮም ኣውጺእካዮ፡ ተቓዋሚ ኤርትራዊ እየ እላበሉ ከይህውትቱ ምሽጢሮም ኣቃሊዕካዮ፡ :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 4262
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ትግራዋይነት፣ ሕሱር መንነት!

Post by Meleket » 18 Dec 2021, 03:42

ወዳጀ ሕዪ ሊላይ ኣዉጊዕኹም! ካብ ጥንቲ ጥቕምቲ (ኣናሎግ) ትግራዋይ መንነት ክቡር ኢዩ ነቢሩ ካብ ተባህለ፡ ሕዪ ለሎ (ዲጂታል) ትግራዋይ ድማ ካምታ ላይ ጥንቲ ጥቕምቲ ልኾን ኢዩ ልግባእ ኣምበይ፡ ኪስዅን የብሉይ ዲዅም ትብሉ ዝንሄዅም! :mrgreen:

ብሱሩሱሩማ ካምቲ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብአካል ለይፈለጦን ለየግነዮን፡ ግን ድማ ዛቍናይ ላይ ቅዱስ ባውሎስን፡ ላይቲ ጐይታና ዓርሱ ከውሒ ኢካ ልበሎ ላይ ቅዱስ ባጥሮስ ዛቝናይ ልነበረ ቅዱስ ማርቆስ፡ ከይተሰዅነ ነቱይ ሰሰናዪን ቀቕኑዑን ጎደና ጐይታና ልሃረየ፡ ሕዪ ለሎ ኣናሎግ ኮነ ዲጂታል ትግራዋይ ድማኒ ካምኡ ሰሰናዩ ጎደና ቀዳሞት ኣያታቱ ኪስዕብ ይግብኦ እኒሄ ልምባል ኢዩ። ከምኡ'ዩ ለሎ እቲ ጫዋታ ብሱሩ ብሱሩ!

ክቡር wegri ሓዉና ከመይ’ እኒሄ’ኻ፧ ብሱሩ ብሱሩ ዓመት ምሉእ ተኣሊሽኻ ሕዪ’ዶ ደበኽ በልኻ "ጫዋታ ምስዓመረ" ክተጣቕዕ፧ ኢልናካ ኣሎና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 4262
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ትግራዋይነት፣ ሕሱር መንነት!

Post by Meleket » 02 Apr 2025, 08:27

እናሓደረ ዚኹላዕ፡ ግዜ ዘየህስሶ፡ ክቡር መትከልና!
Meleket wrote:
16 Dec 2021, 03:21
pushkin wrote:
15 Dec 2021, 12:57
ትግራዋይነት፣ ሕሱር መንነት!
ሓዉና pushkin ከመይ ዓይነት ጸያፍ ዘረባ ኢኻ ትዛረብ ዛሎኻ፧ ን“መንነት” ናይ ሕዝቢ ዝኣኽል ‘ክቡር’ ነገር ‘ሕሱር’ ትብል ኣለኻ፧ :lol:

መንነት ኤርትራዊ ኪኽበር እንተደሊኻ፡ መንነት ሕዝብታት ብሓፈሻ ብዘይ ኣፈላላዪ ኣኽብር። መንነት ናይ ሓደ ሕዝቢ ብኣልማማ አይትጽረፍ። ጌጋ ኢዩ፡ ነዉሪ ድማ ኢዩ።

“ትግራዎት እንክንሶም ‘ሕሱራት’ ሰባት ኣለዉ” እንተኢልካና፡ ሓቕኻ ሕሱር አተሓሳስባ ዛለዎም ተጋሩ ኣለዉ ኢዮም ንብለካ። ብሓፈሻ ንትግራዋይነት ሕሱር መንነት ትብል እንተሎኻ ግን “ሕሱር መጠን ነፍሱ የሕስረኻ፡ ክቡር መጠን ርእሱ የኽብረኻ” ዚብል ምስላ ክቡራት ኤርትራውያን ወለድና ነዘኻኽረኻ።

ካብኡ ሓሊፍኻ ን ‘ትግራዋይነት” ብሓፈሻ ትጸርፍ እተሎኻ ግን፡ ብዉልቅኻ ንኣኻ፡ “ኣበይ ዘለኻ፡ ሕሱር ኣተሓሳስባ ዛሎካ ‘ኤርትራዊ’ ኢኻ፧” ከይንብለካ እምበር። እቲ ምንታይ እንተተባህለ ክቡር ኤርትራዊነት ማለት ምስ ሓቂ ምስማር ማለት ስለዝኾነ። ክንደይ ክቡር ትግራዋይ ተጋዳላይ ኣብ ኣኽራናት ናቕፋ ምስቶም ምዑታት ደቂ ኤርትራ ሰሚሩ ከምዝተጋደለ ስለንፈልጥ ኢና ንምዕደኻ ዛሎና። እዙይ ኪበሃል ከሎ ግና ሕሱር አተሓሳስባ ዛለዎም ሕሱራት ተጋሩ የለውን ማለትና ኣይኮነን። እቶም ኣብ ልዕሊ ልዑላዊ መሬት ኤርትራና ኬሳፍሑ፡ ንዓለማዊ ብይን ጸማም እዝኒ ሂቦም፡ ወያ ንምድሪ ኢትዮጵያ ንዘንተዕለት ዚገዝኡ ዚመስሎም ሕሱራት መራሕቲ ማለሊትን ሰዓብቶም ወይ ኾራኹሮም ውሑዳት ዛይበሃሉ ሕሱራት ተጋሩ ከምዘለዉ አይንስሕቶን ኢና። እዙይ ግን ብኣልማማ ን”ትግራዋይነት” ሕሱር መንነት ንክንብል ኣየድፍረናን ኢዩ።

ንምዃኑ’ከ ንምንታይ ኣጀንዳ ኢኻ ንትግራዋይነት ብሓፈሻ “ሕሱር መንነት” ኢልካ ትጸርፍ ዛሎኻ፧ እንታይ ዕላማ ንምውቓዕ’ከ፧ ከምኡ ብምባልኻ ንኤርትራና ፈታዊ’ዶ ጸላኢ ተጥረየላ፧ ከምዙይ ብምባልካ ወልደአብ ወልደማርያም አይምተሓጎሱልካን። ብረዚደንትና ከምኡዉን ካልኦት ናይ ሃገርና ሰበስልጣናት’ዉን ዚሕጎሱልኻ መሲሉኻ እንተኾይንካ፡ ተጋጊኻ ኣይሕጎሱልካን ኢዮም። ብሓፈሻ እቱይ ክቡር ኤርትራዊ ዘበለ ምስዙይ ሕሱር ኣበሃህላኻ ከምዘይሰምር ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ኣነጺርና ንፈልጥ፡ ኣዳዕዲእና ድማ ንነገረካ ኣሎና።
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 4262
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ትግራዋይነት፣ ሕሱር መንነት!

Post by Meleket » 02 Apr 2025, 11:25

ግዜን ኵነትን ዘይቕይሮ፡ ከም ወርቂ እነሓደረ ዚኹላዕ፡ መትከል ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን!
Meleket wrote:
16 Dec 2021, 11:02
ሰላም ንዓኻ ክቡር ሓዉና sesame

“ኣምላኽ ኸኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረኣየ፤ እነሆ ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ።” ይብሉ ነበሩ መሪጌታ! ብኣምላኽ ዝተወሃበና ኵሉ መንነትና፡ ብፍጥረቱ ክቡር መንነት ኢዩ፡ ካብ ሰብኣዊነትና ጀሚርካ ጽልምና ርጕድና ቕጥንና ንውሕና ሕጽርና ኩሉ ክቡር መንነት ኢዩ። ሕማቕ ክንገብር ከሎና ብግብርና ንመንነትና ባዕልና ነሕስሮ፡ በዙይ አበሃህላካ እሰማማዕ ኢየ። ነቱይ ክቡር መንነትና ክንከናኸኖ ኮነ ክነማዕብሎ ክንኩስኩሶ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከነመሓላልፎ ከነዋርሶ እዙይ ቅዱስን ክቡር ተግባር ኢዩ። እዙይ ንምግባር ግን ሕሱር አተሓሳስባታት ኣብ ዝቕልቐለሉ እዋን ከይሳዕረረ ብእምእራምን ብምምዓድን ኢዩ ኪኸውን ዛሎዎ።

ተዅላ ከም መጠን እንስሳ ክቡር ኢዩ። በጊዕ’ዉን ከምዑ። ሓሳማ’ዉን ከምኡ። አንበሳ’ዉን ከምኡ። ኵላቶም ክቡራት ፍጥረታት ኣምላኽ ኢዮም።

ተጋሩ ኮኑ ኣምሓሩ ኦሮሞ ኮኑ ኢትዮጵያዉያን ወይ ኤርትራዉያን ወይ ኣሜሪካዉያን ወይ ሶማሊያዉያን “ኣቦ ጅጎ ዝረገሞም ህዝቢ ኢዮም” ንዝብለና፡ “መኣስ፧” “ኣበይ፧” ብኸመይ፧” ቢልና ነዋጥሮ እምበር፡ ‘ህዝቢ ብሓፈሻን ብኣልማማን ሕሱር ኢዩ’ ንዝብለና “ሓቕኻ” ቢልና ንቕበልን ንጎስምን በሃማት ኣይኾናን ደቂ ኤሪትርያ!

ንገለ ተግባራት ተጋሩ ስለዝጸላእኻ “ተጋሩ ኣባ ጅጎ ዲዩ ኣቦይ እዝጊ ዝረገሞም ህዝቢ ኢዮም” ምባል ንቕሓት ናይቲ በሃሊኡ ጥራይ ኢዩ ዝነግረና። ተጋሩ ኾይኖም ሕሱር ተግባራት ዚገብሩ ኣለዉ (ኣብ መሬት ኤርትራ ኪኹደጩ ዚደልዩ)፡ ተጋሩ ኮይኖም ክቡር ተግባራት ዝገበሩ ኣለዉ (ኣብ መሬት ኤርትራ ብጅግንነት አብ ጎድኒ ኤርትራዉያን ተጋደልቲ ዝተሰውኡ ተጋሩ ኣለዉ)፡ ነዙይ ታሪኻዊ ሓቂ ክንሸፋፍን ኣይከአልን ኢዩ። ኣምሓሩ ኮይኖም ሕሱር ተግባራት ዝገብሩ ኣለዉ፡ ጥዑይን ክቡርን ተግባራት ዝገብሩ ድማ ኣለዉ። ኤርትራዉያን ክንሶም ሕሱር ተግባራት ዝገብሩ ኣለዉ፡ ክቡር ተግባራት ድማ ዝገብሩ ኣለዉ ኢና ንብል ዛሎና።

በቱይ ናይ ገለገለ ሰባት አተሓሳስባን ሥነሞጎትን፡ ኣብቱይ ኣምሓሩ ዝዓብለሉሉ ግዜ ኃይለስላሴን ደርጊን ዝነበሩ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራና ግፍዕታት ይፍጽሙ ስለዝነበሩ፡ “ኣምሓራይ ዘቡኡ ሕሱር መንነት ኢዩ!” ከምኡዉን “ኢትዮጵያዉነት ሕሱር መንነት!” ዲዩ ኪበሃል ተደልዩ፧ ‘ብሰንኪ ንቝጽ ይነድድ ርሑስ!’ አይንግበሮ እቱይ ጉዳይ።


ገለ ካብ ኤርትራዉያን ሕሱር ተግባራት ስለዝገበሩ “ኤርትራዉነት ሕሱር መንነት” ክንብል ዲና፧ እዙይ ዓይነት ስነመጎት ናብ ዘብለና የብሉን። ህዝቢ ክቡር ኢዩ። ሕሱር ተግባር ዚገበረ ሕዝቢ ሶዶምን ጎመራንዉን ብአልማማን ብሓፈሻን ሕሱር ሕዝቢ ኣይነበረን፡ እንታይ ደኣ ገለ ጻድቃናት’ውን ነቢሮሞ ኢዮም፡ ሓዊ ሰዶምን ጎመራን ዘይተንከፎም።

ንትግራዋይነት ብኣልማማ ሕሱር መንነት ምባል ንኤርትራና እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧ ንሓደ ጎረቤትካ ሕዝቢ ብኣልማማ ንመንነቱ ምጽራፍን ምድዋንን “ክቡር ተግባር” ዶ ይመስለካ፧ “ብሰንኪ ንቝጽ ይነድድ ርሑስ” ኢዮም ዝበሉ፡ ክቡራትን ጭዉነት ዝሕላገቶም ኤርትራዉያን ወለድና፤ ንሕና ኤርትራዉያን ደያዩ ማእከልን መስመርን ድማ ቪዲዮ ወዲ ቪዲዮ ከይረኣና፡ ሓቕኹም ቢልና ነቲ ኽቡር ብሂል ወለድና ነስተማቕሮ። እኒ ወልደኣብ ወልደማርያም ከምኡ ኢዮም ዝመሃሩናን ዘውረሱናን! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 4262
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ትግራዋይነት፣ ሕሱር መንነት!

Post by Meleket » 24 Apr 2025, 03:19

ጽምዶ’ ዛንታ “ዃዃትን ንስሪን” . . .

Post Reply