
ብዓል ስልጣን ብሮድካስ ኢትዮጵያ፡ ንድምጺ ወያነን ተሌቪዥን ትግራይን መጠንቐቕታ ጽሒፉለን
3 ሓምለ 2020
https://www.bbc.com/tigrinya/news-53276 ... qNnNRycJ1w

መደበር ቴሌቪዥናት ድምጺ ወያነን ኦኤምኤንን
ብዓል ስልጣን ብሮድካስት ኢትዮጵያ፡ ንድምጺ ወያነን ተሌቪዥን ትግራይን ከቢድ መጠንቐቕታ ከምዝጽሓፈለን ተፈሊጡ።
ቢቢሲ ናይተን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣብያተ-ጽሕፈተን ዝተዓጽወን መደበራት ቴሌቪዥንን እቲ ዝበጽሐን ናይ መጠንቐቕታ ደብዳብን ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝረኸበሉ እዋን ብዝርዝር ከቕርቦ እዩ።
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፈደራል ኣብ ልዕሊ መደበር ቴሌቪዥናት ኣስራት ቲቪ፡ ድምጺ ወያነን ኦኤምኤን መርመራ የካይድ ከምዘሎ ሓቢሩ'ሎ።
እዘን መደበራት ቴሌቪዥን ኣብ ስለስተ ዓሌታት (ኣምሓራ ትግራይን ኦሮሞን) ዓሌታዊ ቅርሕንቲ ኣብ ምጉህሃር ተራ ከይህልወን ምጽራይ ክግበረለን ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ።
ቀንዲ እስቱድዮ ድምጺ ወያን ኣብ መቐለ ናይ ኣስራትን ኦኤምኤንን ድማ ኣብ ኣሜሪካ ይርከብ።
ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣላ?
ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሞት ውሩይ ድምጻዊ ሃጫሉ ተኸቲሉ ዝቐነያ ዕግርግር ሎሚ ኣብ ህድኣተ ከምዘላ ሪፖርተራት ቢቢሲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም።
ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ትማሊ ንህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ ናብ ስሩሕ ክምለስ ምሕባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሎሚ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ኣገልግሎት ጀሚሩ፡ ኣብያተ ንግዲ ንተገልገልቲ መዓጹአን ኣርሕየን ኣለዋ፡ እንተኾነ እቲ ብርቱዕ ሓለዋ ኣካላት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ፖሊስ ምስቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ዕግርግር ተሳቲፎም እዮም ዝበሎም 270 ሰባት ከምዝኣሰረ ፖሊስ እታ ከተማ ሓቢሩ።
ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብምኽንያት ሞት ሃጫሉ ብዝተወለዐ ዕግርግር ክልተ ሰባት ምማቶም’ውን ፖሊስ እታ ከተማ ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተር ፕረስ ሰክሪታረያት ቢልለኔ ስዩም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት’ውን ኣብ ከምዚ እዋን ሰባት ንኢንተርኔት ዓሌታዊ ጽልእታት ንምጉህሃር ስለዝጥቀምሉ መንግስቲ ድሕነት ሃገር ንምውሓስ ሓላፍነት ወሲዱ ነቲ ኢንትርነት ከምዝተቋረጸ ገሊጻ።
ኣዲስ ኣበባን ኦሮማያን ናብ ንቡር ተመሊሰን ሕጂ ኩሉ ነገር ተረጋጊኡ ምህላዉ’ውን ገሊጻ።
ምስ ሞት ውሩይ ድምጻዊ ሃጫሉ ተተሓሒዙ ብዝተወለዐ ዕግርግር 80 ሰባት ከምዝሞቱ’ውን ቢልለኔ ስዩም ገሊጻ።
ንሳ፡ ገለ ሰባት ነቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዕግርግር ንምፍጣር ክጥቀምሉ ከምዝሓሰቡ እንተኾነ ፖሊስ ናብ ዝኾነ ሰብ ጥይት ከምዘይተኮሱ ገሊጻ።
ቢልለኔ ስዩም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ንኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምግባር ይሰርሕ ከምዘሎን ኢትዮጵያ ካብ ታሪኽ ዘይርጉእነት ትወጽእ ምህላዋ ብምሕባር፡ ብዙሓት እቲ ቀደም ዘይሕሰብ ዝነበረ ድምጾም ከስምዑ ክኢሎም እዮም ኢላ።
ምስ ሞት ሃጫሉ ተተሓሒዙ ብዝተለዓለ ዕግርግርን ህውከትን ምትሓሐዝ ዘለዎም ሰባት ተኣሲሮም ከምዘለውን፡ ናይ ኩሎም ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ስለዘሎን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝኾነ ርእይቶ ክትህብ ከምዘይትኽእል’ውን እታ ሚኒስተር ሓቢራ።
ኣብ ኢትዮጵያ ምዓስ እዩ ኢንተርነት ናብ ንቡር ክምለስ ዝብል ንዝቀረበላ ሕቶ ድማ
ኢላ።ሕጂ ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ተመሊሱ’ዩ ተስፋ ይገብር ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ወይ’ውን ድሕሪኡ ክኽፈት
________
________________________